ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደብ ዝተሳለጠ ትምህርቲ ንመንእሰያት ትግራይ


ኣብቲ መደብ ዝሳተፉ ቆልዑ
ኣብቲ መደብ ዝሳተፉ ቆልዑ

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ መጓሰን ካልኦት ዘቤታዊ ውራይን ዕድል ትምህርቲ ዘይረኸቡ ካብ 9 ክሳብ 14 ዝዕድመኦም ቆልዑ ኣብ ዓመት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ክፍሊ ብምምሃር ኣብታ ዝቕፅል ዓመት ናብ ራብዓይ ክፍሊ ዘሳግር መደብ ዝተሳለጠ ትምህርቲ ተግባራዊ ይኸውን'ሎ።

እቲ መደብ ኣብ ሓሙሽተ ወረዳታት ትግራይ (መረብለኸ፣መኾኒ፣ሳሓርቲ ሳምረ፣ኣፅቢ ወምበርታን ሕንጣሎ ወጀራትን) ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ተግባራዊ ኰይኑ'ሎ። ኣብዚ መደብ'ዚ ኦፕሬሽን ረስክዩ፣ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ መካነ እየሱስ፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይን ዋይድ ሆራይዘን ዝተባሃሉ ትካላት ይሳተፉ ኣለዉ።

ነቲ ብኦፕሬሽን ረስክዩ ዝካየድ መደብ ዝተሳለጠ ትምህርቲ ንመንእሰያት ዝመርሑ ሓላፊ እቲ ትካል ኣይተ ጌታቸው ተስፋይ ትካሎም ኣብ ወረዳታት ሕንጣሎ ወጀራትን ኣፅቢ ወምበርታን ይሰርሕ ምህላዉ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል።

መደብ ዝተሳለጠ ትምህርቲ ንመንእሰያት ትግራይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:47 0:00

XS
SM
MD
LG