ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንየሺ ብርሃነን ሰምሃር ዮሃንስን ዘተኣናገደ መደብ (1ይ ክፋል)


ሰምሃር 'ወለደይ ንትምህርቲ ከቅድም የግድዱኒ ስለዝነበሩ፣ ቀልጢፈ ናብ ሙዚቃ ዓለም ኣይኣተኹን ክትብል ከላ፣ የሺ ብወገና ብዘይካ ትምህርቲ ካልእ ስራሕ'ውን ስለዘለኒ፣ ሙዚቃ ድሒረ'የ ሎም ዘበን ጀሚረዮ' ትብል።

ክልቲኤን ሙዚቀኛታት መሰል ዋንነት ምጥሓስ ኣዝዩ ዘሻቅል'ዩ፣ እቲ ክፍለጥ ዘለዎ ኣብ መወዳእትኡ ናብ ህዝቢ ትቀርብ ነፀላ ዜማ ትኹን ቪድዮ ኣዝዩ ሓያል ዋጋ ብመንፅር ጊዜን ገንዘብን ጉልበትን ትሓትት ምኻና'ዩ። ስለዚ ወናኒታ ፃማ ራሃፃ ከይረኸበት ብዘይፈቃድ ክትዝርጋሕ ከላ ሃሳያይ'ዩ ይብላ።

ቀዳማይ ክፋል ዕላል ምስ ክልቲኤን ሙዚቀኛታት ሎሚ ቀሪቡ'ሎ። ካልኣይ ክፋል ዝመፅእ ረቡዕ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና።

ምሉእ ትሕዝቶ ቀዳማይ ክፋል'ቲ መደብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:10:36 0:00

XS
SM
MD
LG