እቶም ካብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ልዕሊ 100 መንእሰያት ኣቐድም ኣቢሎም ምስ ምኽትል ምንስተር ወጻኢ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ጆኒ ካርሰን ኣብ ምንስትሪ ወጻኢ U.S ተራኺቦም ኔሮም። መጻኢ ዕድል ኣፍሪቃ ኣብ ኢድኩም`ዩ ዝበሉ ጆኒ ካርሰን፡ ንዝሓሸት ኣፍሪቃ ክትብሉ ትሰርሕዎ ስራሕ ንንእድ ኢሎም። ካርሰን ብዛዕባ ፕረዚደንት ኦባማ ነቶም መንእሰያት ዘቕረብሎም ዕድመ ክዛረቡ ኸለዉ “እዚ ፍሉይን ታሪኻውን ኣጋጣሚ`ዩ፡ ኣብ ታሪኽ ንመጀመርያ ግዜ ናይ ኣመሪካ ፕረዚደንት ንመንእሰያት ኣፍሪቃውያን መራሕቲ፡ ንዋሽንግቶን ክበጽሑን ኣብ ዋይት ሃውስ ምስኦም ክራኸቡን ብወግዒ ዓዲሞም” ኢሎም።
ጆኒ ካርሰን ንፕረዚደንት ኦባማ ብምጥቃስ፡ እዚ ሓዲሽ ምዕራፍን ሓዲሽ ተስፋን`ዩ ድሕሪ ምባል፡ ነታ መጻኢት ኣፍሪቃ ዝውስኑ እቶም ዓበይቲ ዝበሃሉ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዘይኮኑስ እቶም ተስፋ፡ ዓቕምን ተበላሓታይነትን ዘጥረዩ መንእሰያት`ዮም ኢሎም። ኣተሓሒዞም ነቶም መንእሰያት ከምዚ ክብሉ ተዛሪቦም “ብዘይካኹም ንሕና ኣይመኾናን፡ ንሕናን ንስኻትኩምን ኣብ ሓባራዊ ምርኮሳ ዝተመስረትና ኣብ ልዕሊ ምዃና፡ እንርከበሉ ግሎባላዊ ማሕበረሰብ ሓደ ንናይ`ቲ ሓደ ጸገማት ዕሽሽ ኽንብል ዘፍቅደልና ኣይኮነን” ኢሎም።
ብኻልእ ወገን፡ እቶም ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ምስ ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ዋይት ሃውስ ተራኺቦም ሓሳብ ተለዋዊጦም`ዮም።
ኣብ`ቲ ዝካየድ ዘሎ መደባት፡ 4ተ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹን ሓንቲ ካብ ኤርትራ ዝመጸትን ይሳተፉ`ለዉ።
ንምሉእ ትሕዝቶ`ቲ ሎሚ ዝተመሓላለፈ ፕሮግራም ድምጺ ኣመሪካ ነቲ ምልክት ድምጺ ብጥዋቕ ስምዑ።