ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጥንታዊ ስልጣነ ፑንት ንኤርትራ ዘጠቃልል ከምዝነበረ ሐድሽ መፅናዕቲ አርእዩ


ቅድሚ 25 ክፍለ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ምስ ግብፃውያን ናይ ንግዲ ዝምድና ዝነበሮ ዓብይ ስልጣነ ምድረ ፑንት አበይ ከም ዝነበረ ንተመራመርቲ ናይ ዘመናት ምስጢር ኾይኑ’ዩ ፀኒሑ።

ንነዊሕ ዓመታት አበየነይቲ ሃገር ይርከብ ከምዝነበረ ምስጢር ኮይኑ ዝፀንሐን ብፑንት ዝፍለጥ ናይ ጥንቲ ስልጣነ ንኤርትራ ዘጠቃልል ከምዝኾነ አብ ዓዲ እንግሊዝ ሙዝየም ብሪጣንያ መፅናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ገሊፆም።

ቅድሚ 25 ክፍለ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ምስ ግብፃውያን ናይ ንግዲ ዝምድና ዝነበሮ ዓብይ ስልጣነ ምድረ ፑንት አበይ ከም ዝነበረ ንተመራመርቲ ናይ ዘመናት ምስጢር ኾይኑ’ዩ ፀኒሑ።

ብፕሮፌሰር ናትናኤል ዶሚኒ ዝተመርሐ ጉጅለ አብ ቤተ መዘክር እንግሊዝ ብዝካየዶ መፅናዕቲ ነዚ ምስጢር ክፈትሕ ኪኢሉ’ሎ። አብ ልዕሊ ብጥንታውያን ግብፂ ብመድሃኒት ከይፈረሱ ዝፀንሑ ናይ ክልተ ኣህባይ አዕፅምቲ ዝተገብረ መፅናዕቲ ምድረ ፑንት ንሙሉእ ኤርትራን ምብራቅ ኢትዮጵያን ከምዘጠቃልል አርእዩ’ሎ።

ዲረክተር ጀነራል ሃገራዊ ቤተ መዘክር ኤርትራ ዶክተር ዮሴፍ ልብሰቃል እዚ መፅናዕቲ “ኤርትራ ናይ በይና ጥንታዊ ታሪኽ ከምዝነበራ አገዳሲ ቦታ ከምዝነበረት ነቲ ብዙሕ ጊዜ ንእክቦ ዝነበርና ጭብጥታት ዘራጉድ ስለዝኾነ አዝዩ ሓጋዚ’ዩ ኢሎም።”

አቀድም አቢሉ ከም በዓል ሱዳን ስዑዲ ዓረብ የመን ኢትዮጵያን ሶማልን ሞዛምቢክ ከይተረፈ ምድረ ፑንት አብ ግዘአተን ከምዝርከብ ይገልፃ ኔረን’የን።

XS
SM
MD
LG