ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሞያውን ምርምራውን ምትሕግጋዝ ዩኒቨርሲታት ኣመሪካን ኢትዮጵያን


ዶ/ር ሙሉጌታን ብፆቱን
ዶ/ር ሙሉጌታን ብፆቱን

ኣብ መንጎ ኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲን Medical University of South Carolina ዩኒቨርሲታት መቐለ፣ኣኽሱምን ዓዲግራትን ሞያውን ምርምራውን ምትሕግጋዝ ንምክያድ ዘኽእል ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ተኻይዱ።

ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ምምሕያሽ ናብራ ተኣሳሲሩ ዝስዕብ ዘሎ ሕማም ሽኮር (Type 2 Diabetes) ኣብ ምንታይ ብርኪ ይርከብ፤ እቲ ሕብረተሰብን ሰብ ሞያን ዘለዎ ደረጃ ፍልጠት ‘ታይ ይመስል እንታይ ምሕጋዝ ይካኣልን ዝኣመሰሉ መባእታዊ መጽናዕቲታት ተኻይዱ’ሎ ።

ኣብ Medical University of South Carolina Biostatics ላዕለዋይ ምሁር ዶክተር ሙሉጌታ ገብረስላሴ እቲ ሕማም ከይተላበደ ብጋንኡ ንምክልኻል ዘኽእሉ ሜላታት ንምድላው ዘኽእል መፅናዕትን ዘተን ምስ ሰለስቲኦም ዩኒቨርሲታትን ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይን ከምዘካየዱ ይገልፁ።

ብተመሳሳሊ መንገዲ ቅድሚ ሎሚ ዝተጀመረን ኤች ኣይቪ ቫይረስ ንምክልኻል ዝሕግዝ ምርምራዊ ምትሕግጋዝን ተኻይዱ ንዕኡ መፈፀሚ ዝኸውን ገንዘባዊ ሓገዝ እውን ከምዝተረኸበን ዶክተር ሙሉጌታ ገሊፆም ኣለዉ።

ብሳልሳይ ደረጃ EDREAP (Ethiopian Diaspora for Research and Education Advancement through Partnership) ዝበሃል ኣብ ኣመሪካ ዝተጣየሸ ገባር ሰናይ ትካል ኣብ ዩኒቨርሲታት መቐለ፣ ኣኽሱምን ዓዲግራትን ሎሚዘበን ዝለዓለ ትምህርታዊ ውፅኢት ንዘመዝገቡ ተመረቕቲ ተምሃሮ (ከክልተ ካብ ሕድሕድ ዩኒቨርሲቲ) ሸሊሙ’ሎ። እቲ ሽልማት EDREAP Excellence Award ይበሃል።

ቃለ-መጠይቅ ምስ ዶ/ር ሙሉጌታ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:59 0:00
መራገፊ


XS
SM
MD
LG