ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሻምበል ምሩጽ ይፍጠር ዓሪፉ


ኣትሌት ምሩጽ ይፍጠር ኣብ ኦሎምፒክስ ሞስኮ ሩስያ - 1980
ኣትሌት ምሩጽ ይፍጠር ኣብ ኦሎምፒክስ ሞስኮ ሩስያ - 1980

ኢትዮጵያዊ ጅግና ኣትሌት ምሩጽ ይፍጠር ኣብ መበል 74 ዓመት ዕድሚኡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ካናዳ ዓሪፉ።

ኣብ 1980 ኦሎምፒክ ሞስኮ ኣብ ሓሙሽተን ዓሰርተን ሽሕ ድርብ ሜዳልያታት ወርቂ ብምዕዋት ንዓለም ዘስደመመ ሻምበል ምሩጽ ይፍጠር። ‘ማርሺ ቀያሪ’ ብዝብል ሳጓ’ውን ይፍለጥ ነይሩ።

ምሩጽ ኣብነት ኮይኑኒ’ዩ ዝብል ፕረዚደንት ፈደረሽን ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ሃይለ ገብረ ስላሴ ‘ምሩጽ ንዓይ፣ ኩለመናይ’ዩ፣ ብሕልፊ ኣብ ኣትሌትክስ ዘሕለፍክዎ ድሕረ ታሪኸይ’ ከምዝበለ ኣሶሰትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

ኣብ ኦሎምፒክ ሚኒዩክ ጀርመን ስለምንታይ መዳልያ ወርቂ ኣይተዓወትካን ተባሂሉ ብወትሃደራዊ ስርዓት ኢትዮጵያ(ደርግ) ምእሳሩ'ውን ይዝከር።

ዓዲግራት ትግራይ ተወሊዱ ዝዓበየ ሻምበል ምሩጽ ይፍጠር፣ በዓል ሓደርን ኣቦ ሸሞንተ ቆልዑትን’ዩ ነይሩ። ስነ ስርዓት ቀብሩ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝፍጸም’ውን ንቤተ-ሰቡ ዝጠቀሰ ኣሶሴትድ ፕረስ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG