ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀቢላዊ ስርዓት የመን ንግጭት እታ ሃገር የጋድድ አሎ ተባሂሉ


Mideast Yemen
Mideast Yemen

አብ የመን ክግታእ ዘይክአል ኩናት ሓድሕድ ይፈልሕ'ሎ። እዚ ኸአ ብሓጋዝ ተቀናቀንቲ መንግስታትን ሃገራት ወጻኢን ዝፍጽምዎ ዘለዉ ዕለታዊ ደብዳብ'ዩ ተባሂሉ።

ሓድነታዊ ምእኩል መንግስቲ አብ ዘይብላ የመን አብዚ እዋን'ዚ ናይ ቀቢላታት አመራርሓ'ዩ ዝረአ ዘሎ፡ እዚ ኸአ ከቢድ ዋጋ'ዩ ዘስዕብ ምክንያቱ ተዋጋእቲ ንናይ ባዕላቶም ቀቢላዊ መራሕቲ ተአመንቲ ብምኳን ንነገራት ዝሓላልኾ'ዩ ክብል ሓደ ጉጅለ ተሓለቂ ሰብዓዊ መሰላት ይገልጽ።

አብ ዝሓለፈ ሰሙን ሕቡራት መንግስታት አብ ዘውጽዖ መግለጺ መብዛሕትኦም የመናዊያን ተጸበይቲ ረድኤት ምኳኖምን እዚ ድማ እቲ ኩናት ነታ ሀገር የዕኑ'ሎ ይብል እቲ ጸብጻብ።

XS
SM
MD
LG