ነፈርቲ ኲናት ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ የመን ከተማ ሆደይዳ ብዝፈጸምኦ ደብዳብ 16 ሰባት ከም ዝተቐተሉን ካልኦት 41 ከም ዝቆሰሉን ቴሌቭዥን ሑቲ ኣፍሊጣ።
ወተሃደራዊ ሓይሊታት ኣመሪካን ብሪጣንያን እቲ መጥቃዕቲ ኣንጻር ዕጡቓት ሑቲ ዝቐነዐ ከም ዝነበረን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ንከይፍጽሙ ንምድኻም ምዃኑን ገሊጾም ኣለዉ። ቴሌቭዥን ሑቲ ግን እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ህንጻ መደበር ሬድዮ ከም ዝነበረን ሰባት ከም ዝቐተለን ሓቢራ`ላ።
ሚንስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ዒላማ መጥቃዕቲ ዝነበረ ቦታ ድሮናትን ካልእ ሚሳይላትን ተኸዚንሉ ዝነበረ ቦታ`ዩ ይብል። ወሃቢ ቓል ሑቲ መሓመድ ዓብደሰላም፡ እዚ ግፍዓዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሌና ዝፍጸም ዘሎ ንቓዛ ስለዝደገፍና`ዩ ዝብል ምላሽ ሂቡ`ሎ።
ሮይተርስ ዝሓተቶም ነበርቲ ሰንዓ ብወገኖም፡ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣይከሸቑርረናን ወይ ኣይከርዕደናን`ዩ፡ ቓዛ ናጻ ክሳብ ትወጽእ ኣብ ጎኒ ፍልስጤማውያን ደው ክንብል ኢና ዝብል ርእይቶ ሂቦም ኣለዉ።
ድሒሩ ዝሰዓበ ዜና ከም ዝሕብሮ ድማ፡ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝነበረ ሰሙናዊ ሰልፊ ድጋፍ ንፍልስጤማውያን፡ ዓሰርታት ኣሽሓት የመናዋያን ኣብ ሰንዓ ወጺኦም ውዒሎም።
ከም ግብረ-መልሲ`ቲ መጥቃዕቲ። ተቓለስቲ ሑቲ ናብ ኣመሪካዊት መርከብ ኣይዛንሃወር መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝገበሩን ሓያል ጉድኣት ከም ዘውረዱን ብመንገዲ ወሃቢ ቓልኦም ሓቢሮም። ሓደ በዓል መዚ ምክልኻል ኣመሪካ ግን ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ ኣፍልጦ ከም ዘይብሉ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
ቅጥዒ