ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዜጋታት እታ በኩናት ዝባደመት የመን ናብታ ናይ ገዛእ ርእሳ ዜጋታት ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ዝበሉ ሶማሊላንድ ይስደዱ

Struktur batu-batuan di mana terdapat sebuah perapian (gambar di tengah) tampak di sebuah situs arkeologi, di mana para ahli menemukan sisa-sisa roti hangus yang diperkirakan berusia 14.500 tahun (atau roti tertua di dunia) di Padang Pasir Hitam (Black Desert), Yordania timur laut.

ዜጋታት እታ በኩናት ዝባደመት የመን ናብታ ናይ ገዛእ ርእሳ ዜጋታት ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ዝበሉ ሶማሊላንድ ይስደዱ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፍርቂ ካብቶም ኣብ የመን ብዘሎ ግጭት ምክንያት ዝተሰደዱ 176,000 ሰባት ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስዳዶም ናይ ሕ/ሃ ትካል ስደተኛታት ይገልጽ። ዝበዝሑ ካብዚኦም ድማ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ኣፍሪቃዊያን ክኾኑ ከለው 26,000 ድማ ናብ ዘብልዎ ዘይብሎም የመናዊያን’ዮም።

እዞም የመናዊያን ስደተኛታት ብዙሕ ምርጫ የብሎምን። መብዛሕትኦም ነቲ ነዊሕን ሓደገኛን ጉዕዞ ናብ ኣውሮጳ ንምፍጻም ንዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ዝኽፈል ገንዘብ የብሎምን። እቲ ጉዕዞ ንውሽመጥ ኣደን ብምስጋር ካብኡ ብመሬት ናብ ግብጺ ካብኡ ድማ ንማእከላይ ባሕሪ ብምስጋር ይፍጸም። እዚ ኮይኑ ብዙሓት ብደሓን ሶማል ንምብጻሕ ዘይከአሉ፡ ሶማል ብጽቡቕ ዘይተቐበለቶም’ውን ኣለዎ። ድኽነት፡ ሽቅለት ኣልቦነት ልዑል’ዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ሕ/ሃ ትካል ስደተኛታት ካብ 10,000 ሶማሊላንድ ዝኣተው ስደተኛታት 1,900 ዜጋታት የመን’ዮም ይብል።

ኣብ ሶማሊላንድ መዓስከር ስደተኛታት የለን ፡ መንግስቲ ነቲ ሓሳብ ዝድግፍ’ኳ እንተኾነ ሕ/ሃ ግን እቲ ቁጽሪ ስደተኛታት ነቲ መመዘኒ መዓስከር ዘማልእ ኣይኮነን ይብል።

ኣብ 1991 ዓ.ም.ፈ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመታት ኩናት ካብ ሶማል ዝተነጸለት ሶማሊላንድ ብዙሓት ካብ ህዝባ ተሞክሮ ስደት ዘለዎም እንተኾኑ’ኳ ዘሎ ዓቕሚ ንምሕጋዝ እዞም ስደተኛታት ግን ውሱን’ዩ።

ሚኒስትር ዳግመ ምጥያስን ምሕናጽን ሶማሊላንድ ሚስተር ዓሊ ስዒድ ራይገል
ሚኒስትር ዳግመ ምጥያስን ምሕናጽን ሶማሊላንድ ሚስተር ዓሊ ስዒድ ራይገል

ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ከምዚ ይብሉ።

‘ ኩነታት እቶም ስደተኛታት ከም ኩነታት ዜጋታት ሶማል’ዩ ምክንያቱ ሶማልያዊያን’ውን እኩል ናይ ስራሕ ዕድል ኣይረኽቡን ። እቶም ክእለት ኣልይዎም ኣብ የመን ሰሪሖም ክነብሩ ዝኽእሉ ዝነበሩ ኣብዚ’ውን ሰሪሖም ክነብሩ ይክእሉ’ዮም ግን ክንሕግዞም’ውን ንፍትን ኣለና።’

እዞም ስደተኛታት ሶማሊላንድ ኣብ ዝኣተውሉ ናይ መግቢ፡ ሕክምናን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ( $100) ካብ ሕ/ሃ ይወሃቦም ፡ ናብ ዝኾነ ክፋል ሶማል ንምኻድ’ውን ናይ መጉዓዝያ ሓገዝ ይግበረሎም እንተኾነ ግን እዚ እኹል ኣይኮነን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG