ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማእከል ወጥሪ ስዑዲ-ኢራን አብ የመን ዘሎ ውግእ ይጽዕቕ


ስዑድ ዓረብ ንሻዓ ሙስሊም ዝነበረ ዜጋኣ ሸኽ ኒምር ኣል-ኒምር ድሕሪ ክሳዱ ቆሪጻ ምቅታላን፣ ምስ ቴህራን ንዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምብታኻን፣ እቲ ስዑዲ ትመርሖ ጥምረት ኣብ የመን ኣንጻር’ቶም ብኢራን ይድገፉ’ዮም ዝባሃሉ ምልሻታት ሁውቲ ዘካይዶ መጥቃዕቲ ኣጠናኺሩ ይቅጽል’ሎ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ንሰላም ዝነበረ ዕድላት ዳርጋ ጸልሚቱ ይርከብ። የመናዊያን ግና፣ ዋጋ ነዳዲ ኣዝዩ ከቢሩና’ሎ፣ ቁጠባ’ታ ሃገር ስለዝወደቀ ድማ ኣብ ልዕሊ ህይወት ኪሳራ ኣብ ምውራድ ይርከብ ይብሉ።

ኣብ’ዘን ቀረባ መዓልታት ደብዳብ ነፈርቲ በርቲዑ’ሎ፣ ኢራን ብወገና ነቲ ኣብ ሰንዓ ዝርከብ ኤምባሲኣ ደብዲባቶ ኢላ ንስዑድ ዓረብ ከሲሳ’ላ።

ስዑድ ዓረብ ንምልሻታት ሁውቲ ልኡኻት ኢራን ኢላ’ያ ትገልጾም። ኢራን ግና ነዚ ክሲ’ዚ ትነጽግ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ብዘይዕረፍቲ ቀጺሉ ዘሎ ውግእ የመን፣ ንናብራ ኣዝዩ ከቢድን ዘይኸኣልን ገይሩዎ’ሎ። የመናዊያን ቁጠባዊ ቅልውላው ብሕልፊ ምኽባር ዋጋ ነዳዲ፣ ማዕረ እቲ ውግእ ሃሳያይ ኮይኑ ኣሎ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ኣብ ማእከል ወጥሪ ስዑዲ-ኢራን አብ የመን ዘሎ ውግእ ይጽዕቕ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:50 0:00

XS
SM
MD
LG