ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት የመን ካብ ስልጣን ንምውራድ እንተተሰማምዑ’ውን ህውከት ተላዒሉ


መስኻኽር ከምዝገልፅዎ ባህልዊ ኽዳን ዝተኸደኑ ዕጡቓት መብዛሕቲኦም መናእሰይ ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ ሰልፈኛታት ቶኽሲ ኸፊቶምሎም።

ኣብ የመን ዋና ከተማ ሰንዓ ናይ ስቪል ኽዳን ዝተኸደኑ ዕጡቓት ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ ናይ ተቓውሞ ሰልፈኛታት ቶኽሲ ብምኽፋት እንተወሓደ ንሓሙሽተ ሰባት ቐቲሎም።ናይ የመን ፕሬዝዳንት ዓሊ ዓብደላ ሳሊሕ ስልጣን ንምርካብ ትማሊ ረቡዕ እንተፈረሙ’ውን ህውከት ተላዒሉ’ሎ።

መስኻኽር ከምዝገልፅዎ ባህልዊ ኽዳን ዝተኸደኑ ዕጡቓት መብዛሕቲኦም መናእሰይ ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ ሰልፈኛታት ቶኽሲ ኸፊቶምሎም።

ናይ ዓረብ ሳተላይት ቻነላት ከምዝፀብፀብኦ እቶም ተቓወምቲ ናብ ኣንፈት ፕሬዝዳንታዊ ቤተ መንግስቲ እናተጉዓዙ እናሃለው መጥቓዕቲ ከምዝፈነዎም ሓቢረን።

ተለቪዥን ኣል-ኣረብያ ናይቶም ሓሙሽተ ዝተቐተሉ ሬሳታትን ዝቖሰሉ ሰልፈኛታት ሒዘን ናብ ሆስፒታል ይኸዳ ዝነበራ ኣንቡላንሳትን ኣርእያ’ላ።

ስልጣኖም ንምኽትል ፕሬዝዳንቶም ንምርካብን ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ንኽካየድን ምስ ናይ ገልፍ ቤት ምኽሪ ምትሕብባር ትማሊ ረቡዕ ስምምዕ ዝፈረሙ ፕሬዝዳንት የመን ዓሊ ዓብደላ ሳሊሕ ነቲ ቕትለት ብምኹናን ምርመራ ንኽግበር ፀዊዖም ኣለው።

ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ የመን ፖስት ዝኾነ ሓኪም ኣልማስማሪ ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈፀምዎ ደገፍቲ ፕሬዝዳንት ሳሊሕ እዮም ይብል።

ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ምንስቴር ውሽጢ ሃገር መንግስቲ እዩ ፈፂሙዎ ንዝብል ኽሲ ነፂጎምዎ ኣለው።

ሓኪም ኣልማስማሪ ዋላ’ዃ እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ እንተተፈረመ’ውን ወዶምን ወዲ ሓዎምን ንቶም ፕሬዝዳንት ንናይታ ሃገር ወታደራዊ ስልጣን ሕዚ’ውን ይቆፃፀርዎ ከምዘለው ይገልፅ።

XS
SM
MD
LG