ነቲ ኣብ የመን ዘሎ ኩነታት ክርእዮ ኸለኹ እቲ ናይ ሶማል ታሪኽ ዝድገም ዘሎ'ዩ ዝመስለኒ ክብሉ ኣብ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ጋሻ ኮይኖም ዝቀረቡ ካብ ክፍለ ግዝአት ኒውጀርሲ ካብ ሮዋን ዩኒቨርስቲ ዶክተር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ ተዛሪቦም።
ኩነታትን ብርኪ ንቅሓቲ ህዝቢ የመን ካብቲ ኣብ ኣብ ቱኒዝያን ግብፂን ዘሎ ዝተፈልየ'ዩ፣ ኣብታ ሃገር ዘሎ ስሚዒት ነገዳት ነታ ሃገር ናብ ኹናት ሕድሕድ ከእትዋ ይኽእል'ዩ ክብሉ ዶክተር በርሀ ገሊፆም።
ካብ ኒዮርክ ስተይት ዩኒቨርስቲ ዝኾኑ ዶክተር ግላውደዎስ አርኣያ ብወገኖም ኩነታት የመን ኣብ ዘይምለሰሉ አንፈት'ዩ በፅሑ ኢሎም።
የመን ኣዝያ ድኻ ሃገር'ያ ዝበሉ ዶክተር ግላውደዎስ ኣብዚ እዋን"ዚ ነበርቲ ከተማ ሰንዓ ማይ ቡምባ'ካ የብሎም፣ ኣብታ ሃገር ሕፅረት ነዳዲ ዘይቲ'ሎ እዚ'ውን ህዝቢ ምግቢ ኸይበፅሖ ዝገብር ክብሉ ገሊፆም።
ፕረዚደንት ዓብደላ ሳልሕ ንሕክምና ናብ ስዑዲ ዓረብ ምኻዶም ነታ ሃገር ኣብ ቀራና መንገዲ ኣእትይዋሎ ክብሉ ክልቲኦም ኣጋይሽ ገሊፆም።