ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ የመን ፕረዚደንት እዚ ዓመት'ዚ ከይተወደአ ሓዲሽ ሕገ-መንግስቲ ረቂቁ ሪፈረንዶም ክካየደሉ'ዩ ይብሉ'ለው


ኣብ መላእ የመን ንሓደ ወርሒ ዝአክል ተቃውሞታት ድሕሪ ምክያዱ ፕረዚደንት ዓብዳላ ሳልሕ ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ ረቂቁ ህዝቢ ቅድሚ መወዳእታ'ዚ ዓመት ድምፁ ንኽህበሉ ክግበር'ዩ ክብሉ ቃል ኣትዮም።

እቶም ናይ የመን ፕረዚደንት ነዚ ውጥኖም ብሃገራዊ ተሌቪዥን'ታ ሃገር ኣብ ሰንዓ ኣብ ዝገበርዎ መደረኦም'ዮም ገሊፆም።

ሓደ ወሃቢ ቃል ታቃወምቲ የመን ግን እቶም ፕረዚደንት ዝአተውዎ ቃል ዝደንጎየን ዝወሓደን ነገር'ዩ ኢሎም'ለው።

ኣብ ሎንደን ወሃቢ-ቃል ጉጅለ ተሓላቂ ሰብአዊ መሰላት Human Rights Watch ቶም ፖርተዮስ ፕረዚደንት ዓብደላ ሳልሕ እዚ ብቕንዕና ዝበልዎ እንተደአ ኾይኑ አወንታዊ ስጉምቲ'ዩ ኢሎም። ግን እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ነቲ እቶም ፕረዚደንት ዝብልዎ ዘለው ፖሎቲካዊ ለውጢ ዘነአእስ'ዩ ኢሎም።

ፕረዚደንት ዓብደላ ሳልሕ ናይ ነዊሕ እዋን መሓዛ ኣሜሪካ'ዮም። እዋን ስልጣኖም ኣብ 2013 ዓ.ም ክሳብ ዘብቅዕ ካብ ስልጣን ከምዘይወርዱ'ውን ኣፍሊጦም'ዮም።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG