ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስዑዲ ዓረብ፡ የመናውያን እሱራት ትለቅቕ


ስዑዲ ዓረብ ኣሲራቶም ዝጸንሑ 100 የመናውያን ሎሚ ሰኑይ ተፋኑ ምህላዋ ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ። ኣብ ቀረባ እዋን ብዕጡቓት ሑቲ ተታሒዞም ዝጸንሑ 900 እሱራት ናጻ ምልቃቖም ዝዝከር ኰይኑ፡ እዚ ሓድሽ ናይ ምፍናው መደብ ግን ምስኡ ዝተሓሓዝ ከም ዘይኰነ እቲ ዜና የመልክት።

እዚ ናይ እሱራት ምፍታሕ ተበግሶ፡ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ድሕሪ ዝተጀመረ ምምሕያሽ ዝምድናታት ዝሳለጥ ዘሎ'’ዩ።

ስዑዲ ዓረብ ንመንግስቲ የመን ክትሕግዝ እንከላ፡ ኢራን ድማ ንተቓለሲ ሑቲ ተዕጥቕ ምንባራ ይፍለጥ። ብመሰረት ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ’ቲ ደማዊ ጎንጺ፡ ኣስታት 80% ህዝቢ የመን ተጸባዪ ረዲኤት ኰይኑ’ዩ።

XS
SM
MD
LG