ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕጡቓት ሑቲ ሮኬትን ሚሳይልን ናብ እስራኤል ምትኳሶም ሓቢሮም


ካብ ከባቢ ሰንዓ ዝተተኮሱ ተወንጨፍቲ
ካብ ከባቢ ሰንዓ ዝተተኮሱ ተወንጨፍቲ

ዕጡቓት ሑቲ የመን ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቓዕታት ሚሳይላትን ድሮናትን ምፍናው ዘርኢ ቪዲዮ ዘርጊሑ።

ንመብዛሕትኡ ሰሜናዊ ምዕራብ የመንን ዋና ከተማ ሰንዓን ተቖፃፂሩ ዝርከብ መሻርኽቲ ኢራን ዝኾነ ጉጅለ ሑቲ ሚሳይላትን ድሮናትን ኣንፃር እስራኤል ክትኮስ ዘርኢ ቪዲዮ ሎሚ ረቡዕ 1 ሕዳር 2023 ዘርጊሑ ኣሎ።

ብናይቲ ጉጅለ ወታሃደራዊ ሚዲያ ኣብ ዝተፈነወ ቪዲዮ ቦሎስቲክ ክንፊ ዘለዎም ሚሳይላትን ድሮናትን ክውንጨፉ ከለው የርእይ።

ኵናት እስራኤልን ሓማስን ይካየደሉ ካብ ዘሎ ቦታ ብልዕሊ 1,000 ማይላት ርሒቓ ካብ እትርከብ ሰንዓ ማእኸሉ ዝገበረ ሑቲ ኣብቲ ከባቢ ሓደጋታት ውግእ ክስፍሕ ይኽእል'ዩ ብምባል'ዩ ሚሳይልን ድሮናትን ናብ እስራኤል ተኲሱ።

ወታሃደራዊ ወሃቢ ቃል ሑቲ ያሕያ ሳሪዕ ብቴሌቪዥን ኣብ ዝተፈነወ መልእኽቲ ትማሊ ሰሉስ ናብ ኣንፈት እስራኤል "ዓወት ፍልስጤማዊያን ንምሕጋዝ ብዝሒ ዘለዎ ቦሎስቲክ ሚሳይላትን ድሮናትን ቶኪስና ኣለና ከምዚ ዝበሉ መጥቓዕትታት ክቕፅል እዩ" ኢሉ።

ቀንዲ መሻርኽቲ እስራኤል ዝኾነት ኣመሪካ ግጭት ቓዛ ከይሰፍሕ ንምክልኻል ተሸከምቲ ነፈርቲ መራኽብ ናብቲ ከባቢ ኣውፊራ'ላ። ኢራን እውን እቲ ኲናት ክጋፋሕ ድልየት የብለይን ኢላ ኣላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG