ዕጡቓት ሑቲ የመን ኣብታ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሮም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሒዞማ ዝጸንሑ ጋላክሲ ሊደር ትብሃል መካይን ትስከም መርከብ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ለቒቖሞም።
ዕጡቓት ሑቲ ነታ መርከብ ዝሓዝዋ ምስ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ብዘለዎም ተቓውሞ`ዩ። እቶም ዕጡቓት ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ብሽምግልና ዖማን ነቶም መርከበኛታት ከም ዝፈነውዎም ኣፍሊጦም ኣለዉ። እቶም 25 ሰራሕተኛታት ካብ ፊሊፕንስ: ቡልጋርያ: ሮማንያ: ዩክሬንን መክሲኮን ምዃኖም`ውን ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ይጠቅስ።
ዕጡቓት ሑቲ የመን ድሕሪ`ቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተበጽሐ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ፡ ብቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ዝሓልፋ መራኽብ ዘካይድዎ መጥቃዕቲ ከም ዝድርቱ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣመላኺቶም ኣለዉ።
ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ሃንስ ግራንድበርግ፡ እቶም ሰራሕተኛታት መርከብ ምፍትሖም፡ ባህታ ዝፈጥርን ምስ ስድራቤቶም ዘራኽብን ስጉምቲ`ዩ ድሕሪ ምባል እዚ ጽቡቕ ኣንፈት`ዚ ክቕጽል ከምዝግባእ ተዛሪቡ`ሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንደባይ ተዋጋእቲ ሑቲ “ናይ ወጻኢ ግብረ-ሽበራ” ክብል ትማሊ ረቡዕ ኣብ ሓድሽ መዝገብ ኣእትዩዎም። በዚ ዝደሓረ ትእዛዝ፡ ኣመሪካ ኣብ ንብረትን ምንቅስቓስ እቲ ጉጅለ ዝተረረ ስጕምቲ ክትወስድ ዘኽእል’ዩ።
“ተግባራት ሑቲ፡ ንረብሓ ዜጋታት ኣመሪካን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዋ መሻርኽቲ ሃገራትን ዝሃሲ’ዩ” ዝበለ መግለጺ ቤተ መንግስቲ ዋይት-ሃውስ፡ እቲ ጉጅለ ካብ ወርሒ ሕዳር ናይ 2023 ኣትሒዙ ጥራይ ኣብ መስመር ቀይሕ-ባሕሪ ልዕሊ 100 መጥቃዕታት ምፍጻሙ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ኣመልኪቱ።
ቅጥዒ