ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ወደብ ዓሰብ ዝተበገሰት ወተሃደራዊት መርከብ ብሓይልታት ሑቲ ናይ የመን ተጠቒዓ


ፋይል
ፋይል

ሓይልታት ሑቲ ናይ የመን ዝሓለፈ ቀዳም ሓምለ 29, 2017 ዋንነታ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝኾነት ወተሃደራዊት መርከብ ዒላማ ዝገበረ መጥቓዕቲ ከምዘካየዱ ተሓቢሩ።

እታ ወተሃደራዊ ናውቲ ጽዒና ምንባራ ዝተገልጸት መርከብ ካብ ናይ ኤርትራ ወደብ ዓሰብ ከምዝተበገሰት ኣገልግሎት ዜና ኣሶስየትድ ፕረስ ንሓለፍቲ ሑቲ ብምጥቃስ ገሊጹ። ብመሰረት ጸብጻብ ኣሶስየትድ ፕረስ እታ መርከብ ኣብዚ ዓመት ብሓይልታት ሑቲ ካብ ዝተጠቕዓ ሳልሰይቲ መርከብ ምዃና ተሓቢሩ ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣንጻር ሑቲ ትሳተፍ ምህላዋ’ዩ ተጠቒሱ።

(ፋይል) ሓይልታት ሑቲ ናይ የመን
(ፋይል) ሓይልታት ሑቲ ናይ የመን

ወኪል ዜና ስዑድ ዓረብ ብወገኑ: ንምንጭታት ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ብምጥቃስ: እቲ ፍጻመ መጥቃዕቲ ወተሃደራዊት መርከብ: ነታጒ ብዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ እትርከብ ወደብ ሞዃ ዝተኻየደ ምንባሩ ሓቢሩ። ይኹን’ምበር በቲ መጥቃዕቲ ዝወረደ መጉዳእቲ ይኹን ኣብ ንብረት ዝሰዓበ ገዚፍ ዕንወት ከምዘይነበረ እቲ ወኪል ዜና ስዑድ ዓረብ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ዝሓለፈ ቀዳም ሓምለ 29, 2017 ምዃኑዩ: ሰበ-ስልጣን የመን ሰራዊት ፕረዚደንት ዓብደረቡዕ መንሱር ሃዲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም የመን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ሑቲ ንዝነበረት ኣገዳሲት ወተሃደራዊት መዓስከር ካልድ ቢል ኣልወሊድ ከምዝተቖጻጸሩ ገሊጾም።

ወተሃደራዊ መዓስከር ካልድ ቢን ኣልወሊድ ንምቁጽጻር ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዝተኻየደ ኲናት: ካብ ሓይልታት ሑቲን ብስዑዲ ናይ ዝምራሕ ሓይልታት ጥምረት ዝድገፉ ሰራዊት መንግስቲ የመንን ቁጽሮም ብርክት ዝበሉ ከምዝተቐትሉ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

ኣብ የመን ኩናት ዘካይድ ዘሎ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ሓይልታት ጥምረት: ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ንዘለዎ ፕረዝደንት የመን ዓብደረቡዕ መንሱር ሃዲ ናብ ስልጣን ንምምላስ ካብ 2015 ኣትሒዙ ኣንጻር’ቶም ንርእሰ ከተማ የመን ተቖጻጺሮም ዝነበሩ ሓይልታት ሑቲ ኩናት የካይዱ ምህላዎም ይሕበር።

ሓይልታት ሑቲ ኣብ 2014 ዓ.ም ንሰንዓ ርእሰ ከተማ የመን ተቖጻጺሮማ ምንባሮም ይግለጽ።

XS
SM
MD
LG