ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ተዋጋእቲ አካላት የመን ምልውዋጥ እሱራት ተጀሚሩ


ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ሑቲን ንመንግስቲ ዝድግፉ ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረትን ብዝተበጽሐ ስምምዕ ሎሚ ዓርቢ ፈላመይቲ ነፋሪት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሑቲ ካብ እትርከብ ከተማ ሰንዓ ናብ ኣብ ኢድ መንግስቲ እትርከብ ከተማ ዓደን በሪራ ኣላ።

ኣስታት 900 እሱራት ካብ ኽልቲኦም ወገናት ክፍትሑ እዮም።

እቲ ናይ እሱራት ምልውዋጥ ኣብ ስዊዘርላንድ ንሓደ ወርሒ ዝወድአ ልዝብ ስዒቡ እዩ ዝመፅእ ዘሎ: እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ካልኦት ተወሰኽቲ እሱራት ንምፍታሕ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ግንቦት ክራኸቡ እዮም።

ኣብ የመን ብሰንኪ ዝተኻየደ ኵናት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም ሚሊዮናት ድማ ግዳያት ጥምየት ኮይኖም እዮም።

XS
SM
MD
LG