ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. የመን ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ተቐቲሎም


ፕረዚደንት የመን ዝነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ሎሚ ተቐቲሉም።ንሶም ካብ ከተማ ሰንዓ ብሸነኽ ደቡብ ዝቐተልዎ ዕጡቓት ሑቲ ምዃኖም ናቱ ፓርቲ ኣፍሊጡ`ሎ። ሑቲ ብወገኖም ናብ ስዑድያ ንክንጽንበር ኣብ መንገዲ ኸሎ ከምዝተቐተለ ይገልጹ`ለዉ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ካብ ስልጣን ቅድሚ ምውራዱ ንየመን ን30 ዓመት መሪሑ። ኣብ 2012 ግን ብዝነበረ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ተደፊኡ ወሪዱ ግን ኣንጻር`ቲ ብፕረዚደንት ኣብዱ ራቡ ማንሱር ሓዲ ዝምራሕ ሓዲሽ መንግስቲ ድማ ብረት ኣልዒሉ።

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኩናት ድማ ምስቶም እንዳተርንዑ ዝመጹ ዕጡቓት ሑቲ ብምትሕብባር ንከተማ ሰንዓን ካልእን ተቖጻጺሮም፡ ፕረዚደንት ሓዲ ናብ ስዑድያ ከምዝሃድም ጌሮም። ፕረዚደንት ሓዲ ሓገዝ ስዑድያ ድሕሪ ምሕታት ድማ ብስዑድያ ዝምራሕ ገለ ኣባላት ወሽመጥ ዝተጸንበርኦ ጥምረት፡ ንዕጡቓት ሑቲን ደገፍቲ ዓደደላ ሳልሕን ምድብዳብ ቀጺሎም።

ሕጂ ቅንጸላ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ዝስማዕ ዘሎ፡ እቲ ምስ ሑቲ ዝነበሮ ምሕዝነት ድሕሪ ምፍራሱ ድሕሪ ክልተ መዓልታት`ዩ። ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዝተሰምዐ ዘርብኡ፡ ንሑቲ ንምውጋዝ ምስ ስዑድያ ምሕዝነት ንምዕቃብ ጸዊዑ ኔሩ። ሎሚ ሞት ዓብደላ ሳልሕ ዘፍለጡ ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣንጻር ጥምረትና ውዲት ዕልዋ ኣሊሙ ዝነበረ ዓብደላ ሳልሕ፡ ናብ ስዑድያ እናኸደ ኸሎ ተቐቲሉ`ሎ ኢሎም።

መራሒ ናቱ ውድብ ዝኾነ `ፋይቃ ኣል-ሳይድ` ብወገኑ፡ “ኣብ ምክልኻል`ዛ ሪፓብሊክ ተሰዊኡ” ክብል ሞቱ ኣረጋጊጹ`ሎ።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ፈላማይ ግጭት ተወሊዑ ኔሩ ኣብ መንጎ ሑቲን ደገፍቱን- ኣብ ሰንዓ ንዝርከብ ዓቢይ መስጊደይ ወሪርኩም ክብል`ውን ንሑቲ ከሲሱ፡ ንጣሪቅ ሳልሕ ዝተባህለ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ`ውን ኣጥቂዕኩም ኢልዎም።

ዲፕሎማት ኣሜሪካ ዝነበረ ሕጂ ኣብ ኢንስቲቱት ማእከላይ ምብራቕ ዝሰርሕ ደቪድ ማክ፡ ንዓሊ-ዓበደላ ሳልሕ፡ ኣብ ዓረባዊ ዓለም ካብ መንጎ በላሕቲ ሃንደስቲ ፖሊቲካ ክብል ይገልጾ። ዘይፍትሓዊ ብዝኾነ ኣገባብ፡ብኣሜሪካ ብዝተደገፋ ኣባላት ቤት-ምኽሪ ምትሕብባር ወሽመጥ ተደፊኡ ዝወጻእኩ`የ ከምዝብል`ውን ይገልጽ።

ብኻልእ ወገን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ፡ ኣብ ሰንዓን ከባቢኣን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ሃስያ የወርድ ኣሎ ብምባል፡ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ክግበር ጸዊዑ`ሎ።

የመን፡ ተቓወምቲ ሁቲ ፕረዝደንት'ታ ሃገር ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ምቕታሉ ሓቢረን
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:52 0:00

በቲ ኣብ መንጉ ሚልሻታት ሑቲን ደገፍቲ ፕረዚደንት ነበር ዓብደላ ሳልሕን ዝተወልዐ ግጭት፡ዛጊት ብኣሰርተታ ዝቑጸሩ ከምዝሞቱ ይግለጽ ኣሎ። ንሱ ከይኣክል፡ ደብዳብ ነፈርቲ ስዑድያ`ውን ኔሩ ናብ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ርእሰ ከተማ የመን-ሰንዓ፡ ሰባት ክንቀሳቐሱ ኣይክኣሉን-ኣምቡላንሳት`ውን ናብ ቁሱላት ክበጽሓ ኣይክኣላን ይብል ዳይረክተር ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ኣብ ማእከላይ ምብራቕ-ሮበርት ማርዲኒ።

ካብ ዓረባዊ ዓለም ዝደኸየት ትብሃል -የመን፡ ሕጂ ድማ ሰብኣዊ ቅዝፈት ኣጋጢምዋ`ሎ-እቲ ግጭት ካብ ዝለዓል ጥራሕ ልዕሊ 10 ሺሕ ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም፡ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ተፈናቒሎም። ሕማም ኮሌራ ብግዲኡ ንኣስታት ሓደ ሚልዮን ከምዝተንከፈ ይንገር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

"ፕረ. የመን ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ተቐቲሎም" ተቓወምቲ ሑቲ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:53 0:00

XS
SM
MD
LG