ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ የመን ፕረዚደንት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ቆሲሎም


መደብ መደረኦም ተሰሪዙ

ናይ የመን ፕረዚደንት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ኣብ ሰንዓ ናብ ዝርከብ ቐፅሪ መንበሪኦም ብዝተተኮሰ ሮኬት ቆሲሎም።

እቶም ፐረዚደንት ብሰንኪ'ዚ፣ሎሚ ንህዝቢ ከስምዕዎ ዝነበረ መደረ ተቓሪፁ።

ግን ደድሕሪቲ መጥቃዕቲ ተቃወምቲ ዝተቆፃፀርዎ መደበር ተሌቪዥን እቶም ፕረዚደንት ኣብ እዋን'ቲ ተወንጫፊ ተቀቲሎም ክብል ንዘመሓላለፎ ፀብፃብ ንምፍሻሉ ሎሚ ነታ ሃገር መደረ ከስምዑ'ዮም ክብል መንግስታዊ ሚድያ ኣፍሉጡ ኔሩ'ዩ።

ሰዓታት ብዝሓለፈ ቁፅሪ ግን ምልክት'ቶም ፕረዚደንት ኣይተራእየን። ሓደ ወሃቢ ቃል መንግስቲ የመን ፕረዚደንት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ገፆም ተሓናፊጦም ኣብ ወታሃደራዊ ሆስፒታል ይሕከሙ'ለው ክብሉ ኣፍሊጦም።

ዩናይትድ ስቴይትስ ሎሚ ነቲ ኣብ የመን ዘሎ ህውከት ኣውጊዛቶ'ላ።

XS
SM
MD
LG