ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ የመን ንዝፍጸሙ መግሃስትታት ብናጻ ወገን ክምርመር ጻውዒት ቀሪቡ


ናይ ሕቡራት መንግስታት ሓላፊ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዛይድ ራኣድ ኣል ሑሴን ኣብ የመን ኣብ መንበሪ ከባቢታትን ትካ​ላት ሕክምንና ሓዊሱ ይፍፀሙ ዘለው መግሃስትታት ብዓለምለኸ ነፃ ወገን ክምርመር ሎማዕንቲ ሓሙስ ፀዊዖም።

የመናዊያን ስቪላት ብሰንኪ ብረታዊ ግጭት ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ክፃወሩዎ ካብ ዝኽእሉ ንላዕሊ ተሳቒዮም እዮም ይብሉ ኣብ መግለፂኦም።

ሎሚ እውን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ተሓታትነትን ፍትሕን ስቓዮም ቀፂሉ’ሎ፤ማሕበረሰ ዓለም ነዚ ዘይፍታሓዊ ኩነታት ድሕሪ ደጊም ክፃወሮ የብሉን ኢሎም።

ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ የመን ኣብቶም ዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ ኣሽሓት ዝተቐትልሉን ሚሊዮናት ብዘይ ምግቢ ዝተረፍሉን ብዙሓት መግሃስቲ ሰብኣዊመሰላት ዝሓዘ ፀብፃብ ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣውፂኡ’ሎ።

ካብ መጋቢት 2015 ክሳብ ነሓሰ 2016 ኣብ ዘሎ እዋን ኣስታት 3,800 ስቪላት ተቐቲሎም ካልኦት 6,700 ድማ ብሰንኪ እቲ ግጭት ቆሲሎም ኣለው።

እንተወሓደ 7.6 ሚሊዮንሰባት ሕፅረት ኣመጋግባ ኣጋጢሙዎም ኣሎ፤ካልኦት ሰለስተ ሚሊዮን ሰባት ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG