ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጀሚ ማክኮልድሪክ የመን እታ ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ዓለም ዝረከበላ ሃገር ምዃና ኣፍሊጡ።
ንሱ ነዚ ዘፍለጠ: ሎሚ ኣብ ሰንዓ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ክኸውን እንከሎ፤ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኩናት ንናይ ጥዕና ቀረባት ኣብቲ ዝድለየሉ ቦታን ግዜን ክባጽሑ ከምዘየኽኣሎም ብምጥቃስ: እዚ ድማ ድኽነት ከስፋሕፍሕ ከምዝገበሮ ገሊጹ።
ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጀሚ ማክኮልድሪክ ኣብዚ ግዜዚ ልዕሊ 20 ሚልዮን ኣብታ ሃገር ዝረከቡ ተጸበይቲ መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ቀረብ ማይን መግብን ኮይኖም ምህላዎም ኣፍሊጡ። ንሱ ብተወሳኺ ኣብ የመን ዘሎ ኩናት ልዕሊ 10 ሽሕ ሲቪል ሕብረተሰብ ከምዝቐተለን ንካልኦት 3 ሚልዮን ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ኣመዛቢሉ ንመላእ እታ ሃገር ኣብ ደንደስ ጥሜት ክትወድቕ ደሪኽዋ ምህላዉ ገሊጹ።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት: ውድብ ጥዕና ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝዘርግሖ ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ: ኣብ የመን ዝተኸስተ ሕማም ሸሮኽ ክልተ ሽሕ ሰብ ክቐትል እንከሎ ኣብ ካልኦት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዝግመቱ ድማ ከምዝተላብዐ ይሕብር።
ዳርጋ ፍርቂ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና እታ ሃገር: እንተላይ እተን ብስዑድ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ኣንጻር ተቓለስቲ ሑቲ ኣብ ዝካየድ ኲናት ዝተደብደባ ወሲኽካ : ኣብዚ ግዜዚ ካብ ስራሕ ወጻኢ ምዃነን እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ጠቒሱ።