ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

የመን: ሆስፒታል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ብስዑዲ ዝምራሕ ደብዳብ ነፈርቲ ተወቒዑ


ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ሰሜናዊ የመን ንሆስፒታል ብምድብዳበን እንተወሓደ ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም።ካልኦት 20 ሰባት እውን ቆሲሎም ኣለው፤እቲ ቁፅሪ ክውስኽ ከምዝኽእልን ሰበስልጣን ሓቢሮም።

እቲ ሆስፒታል ናይ ዶብ ኣልቦ ሓካይም እዩ።

ብኻሊእ ዜና ሳዓዳ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ብዝተፈፀመ ደብዳብ ነፈርቲ 10 ሰባት ተቐቲሎም ካብ 8 ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ካልኦት 28 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ኣፍሊጡ’ሎ።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪ-ሙን ነቲ ናይ ቀዳም መጥቓዕቲ ኮኒኖም ኣለው።

ኣብ ውሽጢ የመን ይካየድ ናይ ዘሎ ውግእን ወታደራ ስርሒትን ቀንዲ ተጠቃዕቲ ህፃውንቲ ዝርከቡዎም ስቪላት ምዃኖም ብሓዘን ምግላፆም ወሃቢ ቃሎ ባን ኪ-ሙን ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ሓቢሮም።ህፁፅ ምርመራ ክካየድ እውን ፀዊዖም ኣለው።

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG