ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ የመን ብዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ 30 ሰባት ሞይቶም


 ኣብ የመን ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ
ኣብ የመን ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ

ኣብ ደቡባዊት ከተማ ሖደይዳ ንመዓልታት ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ 30 ሰባት ምሟቶም፡ ኣመሓዳሪ እቲ ግዝኣት መሓመድ ቓሂም ሑቲ ብዝቆጻጸር ማሲራሕ ተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ንሱ ወሲኹ ካብ 500 ዝኾና ገዛውቲ ሰባት ከምዝተፈናቐሉ ገሊጹ። ኣብ ከተማ ጣይዝ `ውን ሃለዋት ሓሙሽተ ሰባት ክሳብ ሕጂ ከምዘይተፈልጠ ሓቢሩ።

ከምኡ`ውን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ የመን ትርከብ ከተማ ሓጃህ`ውን ብኸቢድ ዝናብ ከም ዝተወቕዐ ጸብጻብ ኣሶሸይትድ ፕረስ ጠቒሱ`ሎ። ኣብ የመን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣብ ወረዳ ማቕብናሕ ብዝሃረመ ዝናብ 15 ሰባት ከምዝሞቱንን ሕርሻታትን ኣባይትን ከምኡ ገለ ትሕተ ቕርጽታት ከም ዘዓነወ ሓቢሩ`ሎ።

መሰኸኻኽር ዓይኒ ከም ዝሕብርዎ`ውን ኣብቲ ወሰናስን ባሕሪ ዝርአ ኩነታት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ምኻኑ ዝሞታ ጥሪት ኣብ ጭቃ ተሸኺለን ከም ዝርኣያን ቀረባት ዝስተ ማይ `ውን ተበላሽዩ ከም ዝርኣይን ነበርቲ ሓቢሮም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG