ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

የመናዊያን ፕሬዝዳንቶም ንምምራፅ ድምፆም ክህቡ ውዒሎም


ንውፅኢት ዓመፆም ብዘለዎም ኩርዓት ይመስል ምኽትል ፕሬዝዳን ኣበድ ራቡ ማንሱር ሓዲ በይኖም ንምርጫ ምቕራቦም ተቓውሞ ዘይተርኣየ

የመናዊያን ዓሊ ዓብደላ ሳሊሕ ካብ ስልጣኖም ንኽወርዱ ዘገደደ ህዝባዊ ዓመፅ ድሕሪ ምክያዶም ሓዱሽ ፕሬዝዳንቶም ንምምራፅ ብበዝሒ ወፂኦም።

ውፅኢቱ ፍሉጥ እዩ።እንተኾነ ሰባት ኣብቶም ዝሓለፉ 34 ዓመታት ፈላማይ ሓዱሽ ፕሬዝዳንት ንምምራፅ ናብ መድመፂ ጣብያታት ካብ ምውሓዝ ኣይኸልከሎምን።

ንውፅኢት ዓመፆም ብዘለዎም ኩርዓት ይመስል ምኽትል ፕሬዝዳን ኣበድ ራቡ ማንሱር ሓዲ በይኖም ንምርጫ ምቕራቦም ተቓውሞ ዘይተርኣየ።ሓደ ሰራሕተኛ ነባሪ ሰንዓ እቲ ህዝቢ ድሮ ዓብይ ዓወት ኣመዝጊሙ እዩ ይብል።

ሳዲቅ ከምዝበሎ የመናዊያን ቅድሚ እቲ ምርጫ እንተኾነ’ውን ዓሊ ዓብደላ ሳሊሕ ካብስልጣኖም ንኽወርዱ ብምሕታት ትብዓቶም ኣመስኪሮም እዮም ይብል።

ኣብ ሰንዓ ዝርከቡ ቦታታት መውሃቢ ድምፂ ነቲ ዘድምፅ ብዝግባእ እናተኣናገዱ ውዒሎም ኣለው።

ከባቢያዊ ተዓዛቢ ምርጫ ዓሊ ኣል-ኸይናይ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ዝካየድ ምሃብ ድምፂ ዝቆፃፀር እዩ።ንሱ እቲ ከይዲ ብፅቡቕ ይኽይድ ከምዘሎ ይገልፅ።

ከምዚ ብምባል’’ብዙሓት ሰባት እዮም ወፂኦም።ሰባት ክሕጎሱ ይርኢ ኣለኹ።ኣብዚ ምርጫ ክሳተፉ ድልየት ኣለዎም።ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ።ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ንኽመርፃ ምውፅአን ፅቡቕ እዩ።’’

ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ዓመፅ ዓብዪ ታራ ተፃዊተን እየን።እንተኾነ ናይታ ሃገር ናይ ለውጢ ቓልሲ ሕዚ’ውን ኣይተዛዘመን።ሓዲ ንዝቕፅሉ ክልተ ናይ መሰጋገሪ ዓመታት ነታ ሃገር ክመርሑ እዮም።እቲ መሰገጋሪ መንግስቲ ፖለቲካዊ፡ዓሌታውን ወታደራውን ምስንጥጣቕ ጥራሕ ከይኮነስ ዝበርዐነ ኢኮኖሚያዊን ፀጥታውን ኩነታት እታ ሃገር ክፈትሕ ኣለዎ።

ንምንፃል ዝሓቱ ደቡባዊያንን ኣብ ርሑቕ ሰሜን ዝርከቡ ዓመፅትን ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ንናይቲ ዝነበረ መንግስቲ ቐፃልነት ይቃወሙዎ።ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ምርጫ ክሳብ እታ ናይ ምርጫ ማዕልቲ መጥቓዕቲ ክፍፀም ፀኒሑ እዩ።እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ዓረብ ፔኒንሱላ ኣል-ቃይዳ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ ብምጥቃም ትሕዝቶታቱ እናስፍሐ ይርከብ።

XS
SM
MD
LG