ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስመር ጂቡቲ የመን፡መብዛሕትኦም ኢትዮጵያዊያንን ዝኾኑ 180 ሰባት ዝሓዛ ኣርባዕተ ጀላቡ ተሰዊረን


ስደተኛታት ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ንምስጋር ናብ ጀልባ እንዳተጻዕኑ - ፋይል
ስደተኛታት ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ንምስጋር ናብ ጀልባ እንዳተጻዕኑ - ፋይል

መብዛሕትኦም ኢትዮጵያዊያንን ዝኾኑ፡ 180 ሰባት ጽዒነን ዝነበራ ኣርባዕተ ጀላቡ ኣብ መንጎ ማያት ጂቡቲን የመንን ምስዋረን ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ጨንፈር የመን ዓብዱልሳቶር ኢሶቭ ካብቶም ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኢትዮጵያዊያንን ምዃኖምን ሓሙሽተ ካብቶም መራሕቲ ጀላቡ የመናዊያን ከምዝኾኑን 57 ድማ ደቂ-ኣንስትዮ ምዃኖም ሓቢሩ'ሎ።

ንሱ ወሲኹ ሃለዋት እቶም ስደተኛታት ንምርካብ ጻዕርታት ይካየድ ምህላው ግን ብህይወት ክተርፉ ዘሎ ተኽእሎ ውሑድ ምዃኑ ገሊጹ።

ክልተ ካልኦት ኣብ ገማግም ጅቡቲ ዝጠሓላ ጀላቡ ዝነበሩ ስደተኛታት ግን ምድሓኖም ዓብዱልሳቶር ኢሶቭ ወሲኹ ገሊጹ።

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ነቲ መስመር ካብቶም ዝኸፍኡን ኣዝዮም ሓደገኛታትን ምዃኖም ይገልጽ። እዚ እናዀነ ግን ኣብ መዕለቢን መበገሲን ቦታታት ካብ ጎንጺ ዝሃድሙ ዜጋታት ምብራቕ ኣፍሪቃ በቲ መስመር ምጕዓዝ ይቕጽሉ ምህላዎም እቲ ዜና ይጠቅስ።

ኣብ ዓመተ 2024 በዚ መስመር ናብ የመን ዝበጽሑ ስደተኛታት ኣስታት 60-ሽሕ ምንባሮም ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ጸብጺቡ። እንተዀነ በቲ ሓደገኛ መስመር’ውን ዝሓለፈ ዓመት ብድምሩ 558 ሰባት ምሟቶም እቲ ትካል ይሕብር።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጃልባኦም ካብ ማያት የመን ኣብ ዝረሓቐ ቦታ ሓደጋ ምስ ኣጋጠማ 20 ኢትዮጵያውያን ምሟቶም ይዝከር።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG