ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ የመን ዘጋጠመ ተላባዒ ሕማም ሸሮክ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ምኳኑ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ


ኣብ ኤል ሳቢን ዝተባህለ ኣብ ዋና ከተማ የመን ሰንዓ ዝርከብ ሆስፒታል ቁጽሪ ብሕማም ውጽኣት ዝሳቐዩ ልዑል ምኳኑ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣብ የመን ዘጋጠመ ተላባዒ ሕማም ሸሮክ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ምኳኑ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:55 0:00

ወኪል ዩኒሴፍ ኣብ የመን ዶ/ር ሽሪን ቫርኬይ “ ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ 317,000 ሕሙማት ውጽኣት ተመዝጊቦም ምህላዎምን 1,750 ድማ ብሰንኪ እዚ ሕማም ምሟቶም፡ ካብዚኣቶም ፍርቂ ህጻናት ምኳኖም” ይገልጹ።

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ሕቡራት ሃገራት አስታት ሓደ ሚልዮን ክታበት ሕማም ሸሮኽ ናብታ ሃገር ክልእኽ ምኳን እዚ ድማ ነቲ እታ ሃገር ገጢምዋ ዘሎ ናይ መሳለጥያን ጸጥታ ብድሆ ሰጊሩ ፍታሕ ክምጽእ ተስፋ ከምዝተገብረሉ ይግለጽ።

XS
SM
MD
LG