ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

የመን፡ ቁጽሪ ብሕማም ኮሌራ ዝተጠቕዑ ሰባት ምውሳኹ ተገሊጹ


ኣብ የመን ቁጽሪ ብሕማም ኮሌራ ዝተጠቕዑን ብሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ዝሳቐዩ ሰባት ምውሳኹ ትካል ሕጻናት ኣድሕን (ሴቭ ዘ ችልድረን) ኣጠንቂቑ።

ብመሰረት ሓበሬታ እታ ትካል ብሰንኪ ማይ ወለድ ሕማማት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንሞት ከምዝተቓልዑን አስታት 300,000 ሕሙማት ኮሌራ ምምዝጋቦም ይገልጹ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህጻናት ኣድሕን ብወገኑ አስታት 130,000 ሕሙማት ኮሌራ ምምዝጋቦምን አስታት 1,000 ድማ ምሟቶምን ይገልጹ።

ወሃቢት ቃል ትካል ሴቭ ዘ ችልድረን ኣናስ ሰሃሪ ካብ ዋና ከተማ የመን ሰንዓ እቲ ኩነታት ብሰንኪ ዘይምዕሩይ ኣገልግሎት ጥዕና'ታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ይዓርግ ከምዘሎ ይገልጻ።

ንሰን ብተወሳኺ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ድሩት ምኳኑን ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ብስዑዲ ዝድገፍ ሓይልታት ሕብረትን ተቓወምቲ ሁቱን ዝኻየድ ዘሎ ቀጻሊ ግጭት ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብታ ሃገር ከይበጽሕ ዕንቅፋት ምኳኑ ብምግላጽ 10,000 ሰባት ምሟቶምን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎምን ትሕተ ቅርጺ እታ ሃገር ድማ ምዕናዉን ይገልጻ።

XS
SM
MD
LG