ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚልዮናት ቆልዑ የመን ንገበን፣ ሕማማትን ተነፅሎን ተቃሊዖም ይብል ሕ/ሃ


ቆልዑ የመን
ቆልዑ የመን

ትካል ህፃናት ሕ/ሃ ‘ቀፃሊ ደብዳብ ነፈርቲ ስዑድ ዓረብን ኣብ ከተማታት ሓይልታት መንግስቲን ተቃወምቲን ዘካይድዎ ውግእን፣ ኣብ ልዕሊ ህፃናት ከቢድ ጉድኣት የውርድ ኣሎ’ ይብል።

ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ኣዋርሕ ነፈርቲ ውግእ ስዑድ ዓረብ ደብዳብ ካብ ዝጅምራ ንነዘ 740 ቆልዑ ተቀቲሎም፣ 1, 100 ቆልዑ ድማ ቆሲሎም’ዮም።

ኩሎም ጉጅለታት ተዋጋእቲ፣ ንቆልዑ ይምልምሉን ይኸትቡን ኣለው ይብል ዩኒሴፍ።

ካብ 2.3 ሚልዮን ተፈናቀልቲ የመን ፍርቂ ህፃናትን ቆልዑን’ዮም ዝበለ ዩኒሰፍ 19 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ዕለታዊ ማይ ንምስታይ ዝቃለስ’ዩ ይብል።

1.3 ሚልዮን ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት የመን፣ ብጉድለት ምግብናን ፀገም ምትንፋስን ዝሳቀዩ ምኻኖም’ውን እቲ ዜና ይሕብር። ብሓፈሽኡ 10 ሚልዮን ቆልዑ የመን በቲ ይቅፅል ዘሎ ኹናት ተሃስዮም’ለው ይብል ዩኒሴፍ።

XS
SM
MD
LG