ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቐናቐንቲ ወገናት የመን ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ይፍጽሙ


 ፋይል- የመን
ፋይል- የመን

ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ወገናት የመን ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ይፍጽሙ። ዋላ’ኳ ኣብታ ሃገር ብዘጋጠመ ግጭት ናብዚ ስምምዕ ዘምርሓ እንተኾነ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ካብ ትማሊ ሰንበት ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ክትግበር ዝተባህለ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከምዘተግብሩ ቃል ይኣትው።

ልዑኽ ሕ/ሃ እስማዒል ኦሉድ ቸክይ ኣሕመድ እቲ ስምምዕ ጽቡቕ ምዕባለ ምኳኑ ገሊጾም ንተቃወምቲ ሁቲ ሽዒትን ደገፍቶምን ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ ኣብዱ ራቦ መንሱር ሓዲን በቲ ስምምዕ ክቕየዱ ጸዊዖም። ብተወሳኺ እዚ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ናብቲ ሚያዝያ 18 ዝጅመር ዝርርብ ሰላም ዘምርሕ ኽከውን ተስፋ ተነቢሩሉ’ሎ።

እቲ ዝደሓረ ጻውዒት ንስምምዕ ደው ምባል ተኹሲ ዝተኻየደ ድሕሪ ናይ ሓሙስ ርኽብ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ጆን ኬሪ ምስ መዘናኦም ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ስዑዲ ዓረብ ኣብደል ኣል-ጁቤር ኣብ ባሕሬን’ዩ። ኣብ የመን ብዝተካየደ ኩናት ልዕሊ 6000 ሰባት ክሞቱ ከለው ነታ ሃገር ኣብ ዝለዓለ ሰብኣዊ ቅልውላቅ ሸሚምዋ ይርኸብ።

ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ጆን ኬሪ ኣብቲ ርኽብ ከምዚ ኢሎም።

‘ኣሜሪካ ነቲ ብስዑዲ ዓረብን ካልኦት ወገናትን ነቲ ኣብ ኣገደስቲ ቦታታት እታ ሃገር ዘሎ ተጻብኦታት ደው ንምባልን ንጠቕላላ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ብሚያዝያ 10 ዝዓለመ ጻዕርታትን ነቲ ሚያዝያ 18 ዝጅምር ዝርርብ ሰላም ትድፍግ’ያ። እዚ ድማ ንዝተወሰነ ጊዜ ክንሰርሓሉ ዝጸናሕና ኮይኑ ኣብታ ሃገር ኮነ እቲ ዞባ ዘድልዮ ሰላምን ጸጥታን ንምስፋን ነባሪ ዝኾነ ፖለቲካዊ መፍትሒ ድማ ክርከብ ይግባእ።’

ሚስተር ኬሪ ብተወሳኺ ብመንገዲ ፕሮግራም መግቢ ንሰላም ኣስታት 140 ሚሊዮን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ንየመን ክወሃብ ቃል ኣትዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 80 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ የመን ማለት ልዕሊ 21 ሚሊዮን ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝውኸል ኮይኑ እዚ ድማ ነቶም አስታት 3 ሚሊዮን ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ የመናዊያን ወሲኹ’ዩ።

ዋላ’ኳ ናይ ቅድሚ ሕጂ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል እንተዘይተዓወቱ እዚ ናይ ሕጂ ስምምዕ ግን ክዕወት’ዩ ዝብል ተስፋ ተነቢርሉ’ሎ ምክንያቱ ክልቲኦም ወገናት ንምቁራጽ ተጻብኦታትን ንዝወሃብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝከታተሉ ኮሚተ ብምምስራቶምም’ዩ።

ኣብ ጉዳይ’ቲ ዞባ ተመራማሪ ዝኾኑ ኣሚን ሳይከል ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እዚ ናይ ሕጂ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክዕወት ይክእል’ዩ ዝተባህለሉ ምክንያት መቕጸልታ’ቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ሶርያ ብምኻኑ’ዩ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ተቐናቐንቲ ወገናት የመን ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ይፍጽሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:03 0:00

XS
SM
MD
LG