ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዕጡቓት ሑቲ ዝተሃረመት መርከብ ምጥሓላ መንግስቲ የመን ኣፍሊጡ


ሩቢማር
ሩቢማር

ዝሓለፈ ቕነ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዕጡቓት ሑቲ ዝተሃርመት መርከብ ምጥሓላ ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ የመን ትማሊ ቐዳም ኣፍሊጡ። እዛ መርከብ ሑቲ ንንግዳዊ መራኽብ ምጥቃዕ ካብ ዝጅምሩ ቀዳመይቲ ዝጠሓለት መርከብ ኮይና`ላ።ብመሰረት ሓበሬታ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ እታ ሩቢማር ተባሂላ ትጽዋዕ ናይ እንግሊዝ መርከብ፡ ልዕሊ 41-ሺሕ ቶን ዘመናዉ ድኹዒ ጽዒና ከላ`ያ ብተወንጫፊ ሑቲ ተሃሪማ። መንግስቲ የመን ኣብቲ መግለጺኡ እታ መርከብ ድሕሪ ምጥሓላ ብከላ ተፈጥሮ ከባቢ ከተስዕብ`ያ ዝብል መጠንቀቕታ ኣስሚዑ`ሎ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሑቲ፡ ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝፍጽምዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ምስ `ቶም ኣብ ቓዛ ዘለዉ ፍልስጤማያን ዘለዎም ሓድነት ንምርኣይ ምዃኑ ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ። ብሰንኩ ድማ ብዙሓት ኩባንያታት መራኽብ ነቲ ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝሓልፍ ነዊሕ መንገዲ ከም ኣማራጺ ክጥቀማሉ ተገዲደን ኣለዋ።

ከም ግብረ መልሲ ድማ ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ምክያደን ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG