ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ ከተማ ዓደን ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ 15 ወታደራት ሞይቶም


መንበሪ መንግስቲ የመን አብ ልዕሊ ዝኾነን ብስዑዲ ዓረብ ናይ ዝምራሕ ጥምረት ትሕዝቶታትን አብ ዝኾነ ከባቢታት ከተማ ዓደን ሎሚ ንዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ጉጅለ እስላማዊ ጥርንፉነት ሓላፍነት ወሲዱ'ሎ።

አብቲ መጥቃዕቲ 15 ወታደራት ከምዝቀተሉን አባል'ቲ ጥምረት ዝኮነት መንግስቲ ኢማራት አፍሊጡ'ሎ።አብ መንጎ'ቶም ዝተቀትሉ ወታደራት የመንን አባላት'ቲ ጥምረት ከምዝርከብዎም ተገሊጹ'ሎ።

እቲ ብISIL ዝፍለጥ እስላማዊ ጉጅለ አብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ አርባዕተ መጥቃዕትታትአጥፊእኻ ምጥፋእ አብ ልዕሊ ዒላማታቱ ከምዝገበረ ገሊጹ'ሎ።

ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ግን እቲ መጥቃዕቲ ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቱ'ዮም ፈጺሞሞ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG