ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ የመን ትሽዓተ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሉ


ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ የመን ትማሊ ትሽዓተ ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተለ ይግለጽ ኣሎ። እዚ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ምብራቕ ካብ ርእሰ ከተማ ሰንዓ ኣብ ዝርከብ እዩ ተኻይዱ።

ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ጸብጻብ ሮይተርስ ከምዝሕብሮ እቶም ሰላማውያን ሰባት ዝተቐትሉ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ሓደ ካብ መራሕቲ ሑቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዕጡቕ ሓይሊ የመን ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ እዩ።

ተቐማጦ እቲ ከባቢ እቲ ዒላማ ዝተገብረ መራሒ ኣብቲ ደብዳብ ዝተኻየደሉ ቦታ ኣብ መንበሪኡ ከምዘይነበረ ድማ ሓቢሮም። ይኹንምበር እቶም ዝተቐትሉ ትሽዓተ ሰባት ኣቡኡን ካልኦት ሾሞንተ መቕርቡን ምዃኖም ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ስዑድ ዓረብ እትርከበን ዝበዝሓ ሃገራት ጋልፍ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ የመን ወተሃደራዊ ምትእትታው ከምዝጀመራ ይፍለጥ። እቲ ምትእትታው ብኢራን ዝድገፉ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሑቲ ንመራሒ የመን ዝነበረ ዓብዱ ራቢ መንሱር ሃዲ ብሓይሊ ድሕሪ ምእላዮም ናብ ስልጣን ንምምላስ ዝካየድ ዘሎ ምዃኑዩ ዝሕበር።

እቲ ኣብ የመን ዝርአ ዘሎ ግጭት ዛጊት ሰባት ከምዝቐተለ ብተወሳኺ ይግለጽ።
ዝሓለፈ ሰኑይ ብስዑዲ ዓረብ ብዝድገፉ ሓይልታት ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ንሓደ ሆስፒታል ሓካይም ብዘይ ዶብ ወቒዑ ምንባሩ ተገሊጹ ነይሩ። ብተመሳሳሊ ዝሓለፈ ቀዳም ሓደ ቤት ትምህርቲ ከምዝተሃርመ ጸብጻባት ካብቲ ከባቢ ጠቒሶም።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን ነቲ ናይ ቀዳም ደብዳብ ብምኹናን ምጽራይ ክግበረሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለው። እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ሕብረትውን ብተመሳሳሊ ነቲ ናይ ቀዳም ደብዳብ ምጽራይ ከምዝገብረሉ ገሊጹ ኣሎ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ የመን 9 ሰላማውያን ሰባት ቀቲሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:05 0:00

XS
SM
MD
LG