ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት የመን ዓበደላ ሳሊሕ ንሕክምና ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ክመፁ እዮም


ፕሬዝዳንት ሳላሕ ፓርላማ ሃገሮም ንኸይኽሰሱ ምሕረት ዝህብ ኣሰሓሓቢ ሕጊ እንተፅዲቑ ጥራሕ ስልጣኖም ንምኽትሎም ንምርካብ ተሰማሚዖም ኣለው።

ካብ ስልጣኖም ይወርዱ ዘለው ናይ የመን ፕሬዝዳንት ዓሊ ዓብዳላ ሳሊሕ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ንምሕካም ዘኽእሎም ቪዛ ከምዝረኸቡን ሎሚ ኣብ ኦማን ከምዝረክቡን ተፈሊጡ።እቶም ፕሬዝዳንት ካብ የመን ዝተልዓሉ ኣማእቲ ህይወት ሰባት ዘጥፍአ ኣንፃር ኣገዛዝእኦም ናብ ሓደ ዓመት ዝፅጋዕ ዓመፅ ድሕሪ ምካያዱ እዩ።

ኣብ ዓረብ ብዝተርአየ ህዝባዊ ዓመፅ ዝተለዓዓሉ የመናዊያን ተቓወምቲ ንልዕሊ 30 ዓመታት ነታ ሃገር ብፅኑዕ ንዝገዝኡ ፕሬዝዳንት የመን ሳሊሕ ካብ ስልጣን ንምብራር ናብ ጎደናታት ብምውፃእ ተሰሊፎም እዮም።

መሓመድ ኣሕመድ ካብቶ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ሓደ ዝኾነ መሓመድ ኣሕመድ እቶም ፕሬዝዳንት ነዛ ሃገር በታቲኾም መናሃሪያ ዓሌታዊ ጎንፅታት፡ዘርኣውነት ዝዓሰላ፡ኣብ መንጎ ሰባት ኣፈላላይ ንኽህሊ ዝፍቀደላ ሃገር ንኽትኸውን ገይረምዋ እዮም ክብል ይወቕሶም።

ፕሬዝዳንት ሳላሕ ፓርላማ ሃገሮም ንኸይኽሰሱ ምሕረት ዝህብ ኣሰሓሓቢ ሕጊ እንተፅዲቑ ጥራሕ ስልጣኖም ንምኽትሎም ንምርካብ ተሰማሚዖም ኣለው።

ናይ መሰነይታ ተባሂሉ ኣብ ዝግለፅ መደርኦም ፕሬዝዳንት ሳላሕ ከምዚ ኢሎም ነይሮም።’’ኣብቶም ዝሓለፉ ናይ 33 ዓመታት ስልጣነይ ሽግራት ተፈፂሞም እንተኾይኖም ይቕረታ እሓትት ኣለኹ፡ዜጋታት የመን ይቕረ በሉለይ።’’

ኣብዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ቐፅሪ ፕሬዝዳንታዊ ቤት መንግስቲ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ፕሬዝዳንት ሳሊሕ ብኸቢድ ቖሲሎም እዮም።በዚ ምኽንያት እውን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንኣዋርሕ ተሓኪሞም ምንባሮም ይዝከር።

ሰበስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ እቶም ፕሬዝዳንት ክሳብ ሕክምንኦም ዝከታተሉ እምበር ብቐዋሚነት ንምንባር ኣይኮኑን ዝበሉሉ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ተወሳኺ ሕክምና ክግበረሎም ትፅቢት ይግበር።

ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ጄይ ካርኒ ቀንዲ ዕላማ መገሻ እቶም ፕሬዝዳንት ንሕክምና ጥራሕን ንዝተወሰነ እዋንን እዩ ክብሉ መርገፂ ዩናይትድ ስቴትስ ግልፂ ገይሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG