ምኽትል ኦሳማ ቢን ላዲን ኮይኑ ዝፀንሐ ኣይማን ኣል ዘዋህሪ ሓድሽ መራሒ ኣልቃይዳ ከምዝተመረፀ ሓደ መርበብ ሓበሬታ ጂሃድ ኣፍሊጡ።ብትውልዲ ግብፃዊ ዝኾነ ኣሸባሪ ንኦሳማ ቢን ላዲን ከምዝትክእ ትፅቢት ነይሩ።
እቲ መርበብ ሓበሬታ ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብዝውፅኦ ፅሑፍ ኣይማን ኣል-ዘዋህሪ ሓላፊ እቲ ጉጅለ ኮይኑ’ሎ ይብል።ናይ ኣልቃይዳ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ከምዘይህሊ’ውን እቲ ፅሑፍ ህገልፅ።ብናይቲ ጉጅለ ሓፈሻዊ ኣመራርሓ ከምዝተወሰነ’ውን እቲ ዝወፀ ፅሑፍ ይሕብር።ቢን ላዲን ብናይ ኣሜሪካ ስርሒት ኣብ ፓኪስታን ካብዝቕተል ጀሚሩ ዘዋህሪ መራሒ ክኽውን ከምዝኽእል ክዝረብ ፀኒሑ እዩ።
ናይ ሸሞንት ሰነ መልእኽቲ ኣይማን ኣልዘዋህሪ እቲ ጉጅለ ኣንፃር ኣሜሪካዊነት ከምዘተኩር ከምዚ ኢሉ ነይሩ።’’ኣሜሪካ ውልቀሰብ ወይ’ውን ሓደ ጉጅለ ኣይኮነን ዝገጥማ ዘሎ።የግዳስ ብናይ ጂሃድ ህዳሰ ዝተበራበራ ዓመፅቲ ሃገራት እየን’’ ይብል ኣል-ዘዋህሪ።
ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ዝተጋፍሐ ናይ ዓረብ ህዝባዊ ዓመፅ ንኣልቃይዳ ናብ ጎድኒ ብምግዳፍ ፖለቲካውን ዲሞክራሲያውን ለውጥታት ንኽግበሩ ይፅውዕ ነይሩ።ኣብ ናይ ዓረብ ፔነንሱላ ዝርከብ ኣልቃይዳ ግን ኣብ እዋን እቲ ዘይምርግጋእ ባይታ ዝረክብ ዘሎ ይመስል።
ኣብ የመን ዝመደብሩ ጉጅለ ኣንፃር ምዕራባዊያን ብምእላም ነቲ ፈላማይ መንቀሊ ዓመፅ እናጠምዘዞ ይርከብ።መራሒ እቲ ጉጅለ ኣንዋር ኣል-ኣውላኪ ኣብታ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ዘጋጠማ ዓረባዊት ሃገር የመን ተወሰኽቲ ግዝኣታት ኣብቁፅፅር ከምዘውዐል ክገልፅ ፀኒሑ እዩ።
ዘዋህሪ ብደረቕ መርገፂኡ ይፍለጥ።እምነታቱ ብቢን ላዲን ኣቢሉ ንምስራፅ ይተኣማመን ነይሩ።
ኣብ ለንደን ዝመደብራ ጋዜጣ ኣል-ሓያት ተንታኒ ፖለቲካ ሞሓመድ ሳላሕ እቲ ኽፍተት ንምምላእ ዘዋህሪ ብድምፅን ብምስልን መልእኽታት ብምሕላፍ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ምጥቃም ከምዘድህብ ትፅቢት ይገብሩ።ንሰዓብቱ ክስሕብዶ ይኸውን ዝብል ግን ንፁር ኣይኮነን ይብሉ ብምውሳኽ።
ዘዋህሪ ምስ ግብፃዊያን ቁልፊ ኣባላት ኣልቃይዳ ብዘለዎ ርክብ ናይ ቢንላዲን ናይ ስልጣን ወራሲ ይገብሮ ክብሉ ሳላሕ ይከራኸሩ።