ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ጓሓፍ መማረፂ ሓይሊ ዝመሃዘ መንእሰይ የማነ መሓሪ


የማነ መሓሪ
የማነ መሓሪ

ጋሻ መደብ ሳይንስን ቴክኖሎጂን

ኣብ ከተማ መቐለ ቀበሌ 11 ዝነብር ኣይተ የማነ ማሓሪ ኣማራፂ ፍልፍል ሓይሊ ዝህብ ማሽን ምሂዙ’ሎ፡፡ እታ ማሽን ካብ ዝተፈላለዩ ዝተደርበዩ ሓጺነመጺን ገጣጢሙ ዝሰረሓ ብኢድ እያ ትሰርሕ፡፡

ዝተጓሓፉ ወረቓቕቲ፣ ግፋፍ ዕንጸይትን ቆፅላመፅልን ኬሚካል ከይሓወሰ ብማይ ለዊሱ በታ ማሽን ኣቢሉ የፍሪ፡፡ እቲ ዝፈረየ ውጽኢት ንዕንጸይትን ኩቦን ተኪኡ ፍልፍል ሓይሊ ኮይኑ የገልግል፡፡

እታ ማሽን ኣብ 5 ደቒቕ ኣርባዕተ ኣብ ሰዓት ድማ 48 ተፍሪ፡፡ ብሓንቲ ኪሎ ፍልፍል ሓይሊ ዝህብ እቶት ካብ 4 ክሳብ 5 እንጀራ ምስንካት ይካኣል፡፡

እቲ ብኣይተ ማሓሪ ዝተምሃዘ ኣማራፂ ፍልፍል ሓይሊ ብርሰት ኣግራባት ይከላኸል፣ ከባብያዊ ጽሬት የረጋግጽ፣ ብኽለት ከባቢ ይንኪ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተናወሐ ምጉሕጓሕ መሬት ይገትእ፡፡

የማነ ማሓሪ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓደ ካብቶም ብደረጃ ኢትዮጲያ ብፈጠራ ንግዲ ዝናሓናሑ ዘለዉ እሞ ድማ ኣብቶም ዝላዓሉ 40 ዝበጸሐ’ዩ፡፡

XS
SM
MD
LG