ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ገንዘብ ኣመሪካ ናብ ቻይና ይበጽሓ


ሚንስትር ገንዘብ ኣመሪካ ጃኔት የለን፣ ኣብ ቻይና ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት ንምክያድ ሎሚ ዓርቢ ናብታ ሃገር ኣትየን ኣለዋ፥ ሎሚ ምስ ቻይናዊ መዘነአን ሊ ካንግ ተራኺበን'ውን ተዘራሪበን።

ንሰን ኣብ ዘስመዐኦ ቃል፣ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ውጥረት መታን ክዝሕል፣ ርክባት ኣመሪካን ቻይናን ዝያዳ ክማሓየሽ ይግባእ ኢለን።

ንሰን ምስ ቀ/ሚ ቻይና ሊ ካንግ ተራኺበን ነቲ ዘይረግኣ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ኣልዒለን ከምዝዝትያ ተሓቢሩ'ሎ።

እንተኾነ ጃነት የለን ምስ ፕረዚደንት ቻይና ዢ ዪንፒንፍ ክራኸባ መደብ የብለንን።

ናተን መገሻ ኣብ ቻይና ይፍጸም ዘሎ፣ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብልንክን ኣብታ ሃገር ምብጽሖም ድሕሪ ሓደ ወርሒ'ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG