ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዓመተ 2017 ዝተራእዩ ለውጢታት ፖሊስ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ


ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ ስልጣን ካብ ዝሕዙ ቅድሚኦም ዝነብሩ ፕረዚደንት ይስዕቡዎ ዝነበሩ ፖሊሲ ወፃኢ ጉዳያት ብምግልባጥ ወይ ብምቕያር እየሩሳሌም ከም ዋና ከተማ እስራኤል ኣፍልጦ ሂቦም፣ምስ ኢራን ብዝተኣሳሰር ዝተፈረመ ስምምዕ ኒክሌር ነፂጎምዎ፣ካብ ውዕል ኩነታት ኣየር ፓሪስ ወፂኦምን ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮሪያ ተሪር መርገፂ ሒዞምን።ነዚ ለውጢ ፖሊሲ ወፃኢ ገሊኦም ብኣወንታ ካልኦት ኸአ ብኣሉታ ይርእይዎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ እዮሩሳሌም ዋና ከተማ እስራኤል እያ ብምባል ኣፍልጦ ክህቡ ከለው ንብዙሓት ሃንደበት’ዩ ኮይኑዎም።

“እየሩሳሌም ዋና ከተማ እስራኤል ክትኸውን ብወግዒ ኣፍልጦ ምሃብ እዋኑ ኣኺሉ’ሎ።”

ነዚ ኣፍልጦ ፕረዚደንት ትራምፕ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒ ጉተረስ ግን ነቲ ፀገም ዝፈትሕ ኣይኮነን በሉ።

“ክልተ ሃገራት ክህልዋ ኣለወን ካብ ዝብል መፍትሒ ወፃኢ ካልእ ኣማራጺ የለን።ካልእ መንገዲ የለን።”

ናይ ፕረ. ትራምፕ እወጃ ጉዳይ እየሩሳሌም ብልዝብ ክውሰን ኣለዎ ንዝብል ነዊሕ ንዝፀንሐ ናይ ኣሜሪካ ፖሊሲ ዝቐልበሰ እዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ሰሜን ኮሪያ፣ናይ ኢራን ናይ ኒክሌር ስምምዕ፣ውዕል ኩነታት ኣየር ፓሪስ ኣንፈት ኣሜሪካ ዝተፈለየ ክኸውን ገይሮም ።ነዚ ብኣወንታ ካብ ዝርእይዎ ሄሪቴጅ ፋውንደሽን ኣብ ዝተባህለ ትካል ዝሰርሑ ኒል ጋርድነር እዮም።

“ኣብ ዒራቕን ሶሪያን ኣንፃር ዳዕሽ ዝተኻየደ ውግእ ብንፁር ሪኢና ኣለና።ዳዕሽ ምሉእ ብምሉእ ክጠፍእ ተቐራሪቡ።ሰሜን ኮሪያ ብዝምልከት ፀቕጢ ሓይሉ’ሎ፤ኣብ ብልዕሊ ኢራን እውን ከምኡ።”

ፕረ. ትራምፕ ሓይሊ ዝተመልኦ ኣገባብ ከምዝጥቀሙ ንደገፍቶም እንተገለፁ እውን ገለ ነቐፍቲ ግን ከም ናይ ኢራን ዝኣመሰለ ዝተሓላለኸ ኩነታት ዲፕሎማሲያዊ ብልሓት የድልዮ እዩ ይብሉ።ማእኸል ምዕባለ ኣሜሪካ ኣብ ዝተባህለ ትካል ዝሰርሑ ሩዲ ደሊዮን ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ይብሉ።

“ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀሚሩ ኣብቶም ዝሓለፉ 70 ዓመታት ናይ ኣሜሪካ ድሕነትን ኣብ ዓለም ዝነበራ ቦታን ኣብ ክልተ ቀንዲ መሳርሒታት ዝተመስረተ እዩ።ቀዳማይ ዲፕሎማሲያዊ ሓይላ ካልኣይ ድማ ወታደራዊ ሓይላ እዩ።ኣዚዩ ዝተሓሰበሉ ኣማራፂ ፖሊሲ ወፃኢ ከየቕረብካ ነዚ ዲፕሎማሲያዊ መሳርሒ ካብ ጠረጴዛ ተልዕሎ ኣለኻ ማለት እዩ።”

ፕረዚደንት ትራሞፕ ቅድሚኦም ዝነበሩ ፕረዚደንት ይኽተሉዎ ዝነበሩ ናይ ፓሪስ ስምምዕ ለውጢ ኣየር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ብምፍራስ ኣሜሪካ ንዓለምለኸ ስምምዕ ዝነፀገት እንኮ ሃገር ኮይና’ላ።

ሩዲ ደ ሊዮን መተካእታ ከየቐመጥካ ካብ ናይ ፓሪስ ስምምዕ ምውፃእ ኣብ ክንዲ 10 ዓመታት ንቕድሚት 10 ዓመታት ንድሕሪት ዝወሰደና እዩ ይብሉ።

ካልኦት ተዓዘብቲ ድማ ፕረ.ትራምፕ ከምቲ ብዙሓት ትፅቢት ዝገበርሉን ኣብ እዋን ምርጫ ዘስምዕዎ መደረን ንዓለም ኣየገለሉዋን ክብሉ ይከራኸሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ዓመተ 2017 ዝተራእዩ ለውጢታት ፖሊስ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:25 0:00

XS
SM
MD
LG