ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያን ግብፅን - 2014 ዓ/ም ኣውሮጳ - ንዲፕሎሚስን ልዝብን ዘቀደማላ ዓመት!


Ethiopia - Egypt
Ethiopia - Egypt

ናይ ገዛእ ርእሳ ኣቆፃፅራ ዘመን ዘለዋ ኢትዮጵያ፡ንዝኣረገ 2014 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ዝጀመረት ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ነበረ።ካብኡ ንነዘ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈፀሙ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ሒደት ኣይኮኑን።

ንናይ ሎም-ዘበን መረፃ ፍልይ ዝበለ ምቅርራብ ከምዝተገብረ’ውን ሓቢሮም ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ቦርድ።

ተቃወምቲ ግና ገና ካብ ምብጋስ መስርሕ መረፃ ጀሚሮም ተቃውሞኦም የስምዑ’ለው።መድረክ ብሰላማዊ ሰልፊ ናይ 2002 መረፃ ንከይድገም ፀዊዑ’ዩ።

ኣቦ-መንበር ኢህወደግ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ንላዘብ ንዝብል ሕቶ ኣንድነት ከምዘይቅበሉን ምስ ነብሰ-ወከፍ ተቃዋማይ ፓርቲ ምልዛብ ከምዘይካኣልን ንላዘብ ዝብሉ ፓርቲታት ንስሪት ስነ-ምግባር መረፃ ፈሪሞም ኣባላት ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣዘኻኺሮም ነይሮም።

ይዛዘም ዘሎ 2014 ብጠንቂ’ቲ ኣብ ሩባ ኣባይ ብኢትዮጵያ ይህነፅ ዘሎ ገዚፍ ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ምስ ግብፂ ተፈጢሩ ዝነበረ ቅልውላው ናብ ምልዛብ ዝበፅሓሉን ውጥረት ዝነከየሉን ዓመት’ዩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:49 0:00

XS
SM
MD
LG