ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅልውላው ግብፂ ኣብ 2013


A supporter of Egypt's President Mohamed Mursi holds sticks after night clashes with anti-Mursi around Cairo University and Nahdet Misr Square in Giza, on the outskirts of Cairo, July 3, 2013.
A supporter of Egypt's President Mohamed Mursi holds sticks after night clashes with anti-Mursi around Cairo University and Nahdet Misr Square in Giza, on the outskirts of Cairo, July 3, 2013.
ሰብ ስልጣን ግብፂ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ዓመፅን ቅልውላውን ኣብታ ሃገር ምርግጋእ ንምምፃእ ይቃለሱ ኣለው።ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘሎ ዕግበት ህዝቢ ግን እናተሸርሸረ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።እቲ ቅልውላው ኣብ ዝቕፅል 2014 ኣ/ፈ እውን እቲ ቅዘብቅዕ ንምዃኑ መረጋገፂ የለን።

2013 ኣ/ፈ ግብፃዊያን መራሒኦም ብሓይሊ ካብ ስልጣን ንምውራድ ናብ ጎደናታት ዝወሓዝሉ ነይሩ።እዚ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ዝተኻየደ ካልኣይ ህዝባዊ ዓመፅ እዩ።
ነቲ ህዝባዊ ዓመፅ ብምድጋፍ ሰራዊት እታ ሃገር ንፈለማ እዋን ብነፃ ንዝተመረፁ እስላማዊ ፕሬዝዳንት መሓመድ ሞርሲ ብምእሳር ኣብ ልዕሊ ደገፍቶም እውን ስጉምትታት ወሲዱ።
ብወታደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ዝድገፍ ግዚያዊ መንግስቲ ምርግጋእ ንምስፋን ህዝበ ወሳነ ዝግበረሉ ሓድሽ ሕገ መንግስቲ ቀፂኡ ድማ ፕሬዝዳንታውን ፓርላመንታውን ምርጫ ንኽካየድ ዘኽእል እማመ ኣውፂኡ።

መጀመሪያ ብዙሓት ግብፃዊያን ናይ ፕሬዝዳንት ሞርሲ ፓርቲ እስላማዊ ሕውነት ንምውጋድ ነቲ ሓድሽ መሪሕነት ደገፎም ሂቦም እዮም።

ኣብቲ ምንቅስቓስ ብስፍሓት ዝዋሳእን ፍሉጥ ብሎገርን ዋዒል ኻሊል እቲ ኣመለኻኽታ እቲ እናተቐየረ እዩ ይብል።ንሞርሲ ናብ ስልጣን ምምላስ ዘይኸውን ዝበለ ንሱ ኣስዒቡ ‘’ሎሚ ኣብ ስልጣን ዝርከቡ እንታይ ይሰርሑ ኣለው ኢና ንከታተል ዘለና’’ይብል።
ሕዚ ፀረ መንግስቲ ተቓወምቲ ደገፍቲ ሞርሲ ጥራሕ ኣይኮኑን።

ፖሊሳዊ ምምሕዳር ካብቲ ዝነበሮ ብዝሓየለ ኣገባብ ይምለስ ከምዘሎ ብዙሓት ሰባት ይሪኡ ኣለው ይብል ብምቕፃል።

ኣብ ቁጠባ፣ስራሕ ኣልቦነት፣ምዝሕታል ቱሪዝምን ኢንቨስትመንትን ዝቕባበ ተወሲኹዎ ብፍላይ ድማ ምንሃር ዋጋ ምግብን መሰረታዊ ሸቐጣትን ሽግራት ስለ ዘሎ መረረት’ሎ።
ጭርሖ ህዝባዊ ዓመፅ 2011 ኣ/ፈ ‘’ሕምባሻ፣ነፃነት፣ክብሪ’’ ዝብል እዩ ነይሩ።እቲ ጭርሖ ሎሚ’ውን ኣገዳስነቱ ቀፂሉ’ሎ ይብሉ ፓለቲካዊ ተንታኒ ሒሻም ካሲም።እዚ እንተድኣ ዘይተፈቲሑ ሳልሳይ፣ራብዓይን ሓምሻይን ህዝባዊ ዓመፅ ክህሊ እዩ ኢሎም።

መንግስቲ ንቕድሚት ንምስጓም ይፍትን ኣብዘለሉ እዋን ግን ኩሉ ሰብ ተስፋ ዝቖረፀ ኣይኮነን።ሰዓድ ኢድን ኢብራሂም መስራትን ኣቦመንበርን ማእኸል መፅናዕትታት ልምዓት ግብፂ ናብ ምርግጋእ ንምምላስ ብዙሕ ኣይወስደላን ይብሉ።
XS
SM
MD
LG