ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለም ኣብ ዓመተ 2016 ካብ ዝሰኣነቶም ብዓለምለኸ ደረጃ ዝፍለጡ ውሩያት ሰባት


ዓለም ኣብ ዓመተ 2016 ካብ ዝሰኣነቶም ብዓለምለኸ ደረጃ ዝፍለጡ ውሩያት ሰባት
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:26 0:00

ዓለም ኣብ ዓመተ 2016 ካብ ዝሰኣነቶም ብዓለምለኸ ደረጃ ዝፍለጡ ውሩያት ሰባት

ዓለም ኣብ ዓመተ 2016 ካብ ዝሰኣነቶም ብዓለምለኸ ደረጃ ዝፍለጡ ውሩያት ሰባት ካብ ውልቀ መራሒ ክሳብ ናይ ዓለምና ብዕድመ ዝዓበየ ውልቀሰብ ይርኸብዎም።

ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ምሩጽ ይፍጠር ኣብ መበል 72 ዓመቱ ዝሓለፈ ሰሙን ዓሪፉ። ኣትሌት ምሩጽ ይፍጠር ኣብ 1980 ኦሎምፒክ ሞስኮ ኣብ ሓሙሽተን ዓሰርተን ሽሕ ድርብ ሜዳልያታት ወርቂ ብምዕዋቱ ይዝከር።

ካናዳዊ ተመራማሪ ጠፈር ክሪስ ሃድፊልድ ኣብ መበል 69 ዓመቶም ኣብ ወርሒ ጥሪ 2016 ዓሪፉም።

ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ኣንቶኒን ስካልያ ኣብ ወርሒ የካቲት ዓሪፎም። ዳኛ ኣንቶኒ ኣብ 1986 ዓ.ም ብፕረዝደንት ሮናልድ ሬገን ዝተመዘዙ ዳኛ ምኻኖም ይዝኸር።

ጠቕላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ነበር ቡጥሩስ ቡጥሩስ ጋሊ’ውን ኣብ ወርሒ የካቲት ዓሪፎም። ቡጥሩስ ጋሊ ናይ መጀመርያ ኣፍሪቃዊ ጠቅላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኮይኖም ዝተመረጹ መበል ሻዱሻይ ጸሓፊ ሕ/ሃ ምንባሮም ይዝኸር።

ቀዳመይቲ እመቤት ናንሲ ሬገን ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ መበል 94 ዓመት ዕድሚኣን ዓሪፈን። ቀዳመይቲ እመቤት ሬገን ኣንጻር አደንዛዚ ዕፅ ብዘኻይዶ ዝነበራ ወፍሪ ይዝኸራ።

ፍሉጥ ደራፋይ ፕሪንስ ኣብ መበል 57 ዓመቱ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዓሪፉ።

ዉሩይ ተጓሳጣይ መሃመድ ዓሊ ኣብ ወርሒ ሰነ ምስ ዝነበሮ ሕማም ሳንቡእ ብዝተአሳሰር ዘጋጠሞ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ዓሪፉ። መሃመድ ዓሊ ተሓላቂ ሲቪል መሰላት ኮይኑ ዝሰርሓ ብሰንኺ ኣብ ኹናት ቬትናም ምስላፍ ምእባዩ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ተአሲሩ ምንባሩ’ውን ካብ ዝዝኸረሎም ፍጻሜታት እዮም። መሃመድ ዓሊ ተኸታሊ እምነት እልምና ምስ ኾነ ስሙ ካብ ካሲዮስ ክለይ ናብ መሃመድ ዓሊ ምቕያሩ’ውን ይፍለጥ።

ተሸላሚ ኖበል ሎሬት ኢሊ ዌዝል ኣብ መበል 87 ዓመቶም ኣብ ወርሒ ሓምለ ዓሪፎም። ንሶም ደራሲ አስታት 60 መጽሓፍቲ ምዃኖም ይፍለጥ።

ፕረዝደንት እስራኤል ነበር ሽምዖን ፐረስ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብሰንኪ ሕማም ዓሪፎም። ፕረዝደንት ፐረስ ምስ ይስሓቕ ራቢንን መራሒ ፍልስጤም ነበር ያሲን ዓረፋትን ኣብ 1994 ዓ.ም ተሸለምቲ ሽልማት ኖበል ምንባሮም ይዝኸር።

ንሃገረ ኩባ ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሑ ፊደል ካስትሮ’ውን ኣብ ወርሒ ሕዳር ዓሪፎም።

ናይ መጀመርያ ኣሜሪካዊ ኣብ ዙርያ መሬት ዝዞረ ተመራማሪ ጠፈር ጆን ግሊን ኣብ መበል 95 ዓመቶም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዓሪፎም።

ንሶም ሰነተር ክፍለ ግዝኣት ኦሃዮ ኾይኖም ኣርባዕተ ጊዜ ዘገልገሉ ክኾኑ ኸለው ብዕድመ ዝዓበዩ ናብ ጠፈር ዝተጉዓዙ ውልቀሰብ ኮይኖም’ውን ይዝኸሩ።

ኣብ መዓልቲ ልደት ፍሉጥ ሙዚቀኛ ሰማንያታት ጆርጅ ማይክል ኣብ መበል 53 ዓመቱ ዓሪፉ። ጆርጅ ማይክል በብእዋኑ ንሕሙማት መንሽሮ ዝኾኑ ሕጻናትን ምስ ኤች ኣይቪ ዝነብሩ ዝህቦ ዝነበረ ወፈያታት ይዝኸር።

ኣብ ታሕሳስ 27 ድማ ተዋሳኢትን ጸሓፊትን ኬሪ ፊቸር ዓሪፋ። ድሕሪ ክልተ መዓልታት ድማ አዲኣ ተዋሳኢት ደቢ ረይሎንስ ኣብ መበል 84 ዓመታ ዓሪፋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዓለም ኣብ ዓመተ 2016 ካብ ዝሰኣነቶም ብዓለምለኸ ደረጃ ዝፍለጡ ውሩያት ሰባት
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:00 0:00

XS
SM
MD
LG