ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ፕረ. ትራምፕ ንከተማ እየሩሳሌም ከም ዋና ከተማ እስራኤል ኣፍልጦ ምሃቦም ንነባሪ ሰላም ማእከላይ ምብራቕ ዝጸልው ኣይኮነን”ዶናልድ ያማማቶ


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንከተማ እየሩሳሌም ከም ዋና ከተማ እስራኤል ኣፍልጦ ምሃቦም ነቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሓ ስጉምቲ ንነባሪ ሰላም ማእከላይ ምብራቕ ዝጸልው ኣይኮነን ክብሉ ተሓጋጋዚ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዶናልድ ያማማቶ ገሊጾም።

ንሶም ነዚ ዝበሉ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየድዎ ወግዓዊ ምብጻሕ ኮይኑ ኣብቲ ምብጻሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ውሳነ ፕረዚደንት ትራምፕ ከምዘተሓሳሰቦ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን’ዩ።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዶናልድ ያማማቶ “እቲ ውሳነ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫ ብዝተአትወ ቃል መሰረት ዝተተግብረ እዩ። ብርግጽ ንሰርሓሎም ጉዳያት ክህልው እዮም። እዚ ግን ነቲ ንሰላም ማእከላይ ምብራቕ ዘለና ተወፋይነት ዝዕንቅፍ ኮነ ብኣሉታ ዝጸልው ኣይኮነን”ኢሎም።

“ ካብ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ኮነ ካብ ኣብ መንግስታት ኢትዮጵያን ኬንያን ዘለው መሻርክትናን መሓዙትና ዝተላዕለ ጉዳያት ሰሚዕናዮ ኣለና። ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ልዝብና ቀጻሊ’ዩ እንተኾነ ካብቲ ንሰላም ማእከላይ ምብራቕ ዘለና ተወፋይነት ዝዕንቕፍ ኣይኮነን።”

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንከተማ እየሩሳሌም ከም ዋና ከተማ እስራኤል ኣፍልጦ ምሃቦም ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ ብወግዒ ዘፍለጡ ክኾኑ ከለው ኤምባሲ ሃገሮም’ውን ካብ ከተማ ኤልኣቪቭ ናብ እየሩሳሌም ከምዝግዕዝ ገሊጾም እዮም። እዚ ውሳነ ፕረዝደንት ትራምፕ ካብ ብዙሃት ወገናት ነቐፌታን ስግኣትን ምልዓሉ’ውን ይፍለጥ።

እየሩሳሌም ሓንቲ ካብተን ነዊሕ ዕድመ ዘለወን ከተማታት ኮይና ክልቲኦም ወገናት እስራኤላዊያን ፍልስጥጤማዊያንንን ዋና ከተማኦም ምኳና ክገልጹ ምጽንሖም’ውን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG