ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ ማንዴላ ዋሽንግተን ንመንእሰያት መራሕቲ ኣፍሪቃ ተጀሚሩ


ዋዕላ ማንዴላ ዋሽንግተን ንመንእሰያት መራሕቲ ኣፍሪቃ ተጀሚሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:04 0:00

ዋዕላ ማንዴላ ዋሽንግተን ንመንእሰያት መራሕቲ ኣፍሪቃ ተጀሚሩ

ዋዕላ ማንዴላ ዋሽንግተን ንመንእሰያት መራሕቲ ኣፍሪቃ ሎሚ ሰኑይ 31 ሓምለ 2023 ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ተጀሚሩ'ሎ።
እዚ ብሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝዳሎ ዋዕላ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝመጹ ኣስታት 700 መንእሰያት ዝሳተፍዎ ኮይኑ፡ ክሳብ ረቡዕ ዝቕጽል'ዩ።
ሎሚ ኣብ ናይ መኽፈቲ መደብ እንቋዕ ደሓን መጻኹም ብምባል ዝተቐበሎም, ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ምኽትል ሚንስተር ንጉዳይ ትምህርትን ባህልን ኤታን ሮዘንወግ፡ እቶም መንእሰያት ካብ 50 ሺሕ ኣመልከቲ ዝተመርጹ ምዃኖም ድሕሪ ምሕባር፡ መሪሕነትኩም ኣብዚ ዝውዳእ ዘይኮነስ ምስ ተመለስኩም ቀጻልነት ዘለዎ ክኸውን ይግባእ ኢሉ።
እዞም መንእሰያት መራሕቲ ኣብዚ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዋዕልኦም፡ ነንሕድሕዶም መርበብ ብምኽፋት ሓሳባት ክለዋወጡን ምስ ሰበ ስልጣን ኣመሪካን ሲቪል ማሕበራትን ክራኸቡ ምዃኖምን እቲ ዝወጸ መደብ ይሕብር።
ኣብዚ ዋዕላ መንእሰያት ኣፍሪቃ፥ ብርክት ዝበሉ ሰበ-ስልጣንን ፍሉጣት ሰባትን መደረ ዘስምዑ ኮይኖም፡ ኣብ ምዝዛም፡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ናይ መዕጸዊ መደረ ከምዝገብር ተሓቢሩ'ሎ።
ዋዕላ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ እቶም 700 ዝኾኑ መንእሰያት ኣፍሪቃ ንዝቕጽል ሽዱሽተ ሰሙናት ኣብ 28 ትካላት ትምህርቲ ኣመሪካ ኣትዮም ፣ ብዛዕባ ምምዕባል መሪሕነት ትምህርቲ ከም ዝወስዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG