ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ቻይና ምስ ሃገራት ዓረብ ዘለዎ ዝምድናን ምትእስሳርን የጕልሕ


“ጉባኤ ምትሕግጋዝ ቻይና-ዓረብ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ናብ በይጂንግ ዓዲሙ ዘሎ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ፡ እተን ሃገራት ኣብቲ ዞባ ንዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሓቢረን ክፈትሓ ጸዊዑ።

ፕረዚደንት ሺ ኣብቲ ሎሚ ሓሙስ ዘስምዖ መደረ፡ ሽግር ቓዛ ካብቲ ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሓሉ ዝደሊ ምዃኑ ጠቒሱ። ፕረዚደንት ሺ ኣስዒቡ “ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘየቋርጽ ሰብኣዊ ጥሕሰትን ቅትለትን ክቕጽል ስለ ዘይክእል እቲ እንኮ ፍታሕ ህላወ ክልተ ሃገራት’ዩ፡” ኢሉ። ቻይና ንነዊሕ እዋን ፍልስጤምን እስራኤልን ክልተ ሃገራት ኰይነን ብማዕረ ዝነብራሉ መንገዲ’ያ እትድግፍ። እዚ ሓሳብ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መብዛሕትአን ሃገራት ዓረብን ዝቕበልኦ መርገጺ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG