ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ሽዱሽተ ኢትዮጵያዊያን ብጽልኢ ዓሌት ከምዝተቐትሉ ተፈሊጡ


durban
durban

ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣብ ከባቢ ከተማ ደርባን ገሊኦም ንብረቶም ተዘሪፉ ተቐቲሎም፤ ገሊኦም ድማ ንብረቶም ከይተዘረፈ ተቐቲሎም።

ኣብ ከተማ ደርባን ብንግዲ ዝመሓደር ኢትዮጵያዊ ዮናስ ፍቅሩ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቦ ቃል ‘መጺኦም ይዘርፉ ይቕትሉ።እረ ሎሚስ ምዝራፍ ገዲፎምዎ እዮም።ሓደ ሬስኡ ገና ንዘይተልኣኸ ኢትዮጵያዊ፣ሰኑይ እዩ ክልኣኽ፣መጺኦም ንብረቱ ዘሪፎም ቤንዚን አርከፍኪፎም ኣቃጺሎምዎ።ቅድሚኡ ዝሞቱ ክልቲኦም ሰባት ግን ከይተዘረፉ እዮም ቀቲሎምዎም።’ኢሉ።

ካልኦት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዜጋታተን ዝፍጸም በደል ይከታተላ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ግን ጉዳይና ብዙሕ ኣይከታተሎን ኢሎም ኣለው ኣቶ ተገኝ።ኣብ ከተማ ደርባን ዝርከብ ናይ ኢትዮጵያዊያን ማሕበረሰብ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ንኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጦም ካብ ጆሃንስበርግ ናብ ደርባን ሰኑይ ክንመጽእ ኢና ኢሎምና ክብሉ ሓደ ኣባል እቲ ኮሚቴ ንድምጺ አሜርካ ክፍሊ አምሓርኛ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ሽዱሽተ ኢትዮጵያዊያን ብጽልኢ ዓሌት ከምዝተቐትሉ ተፈሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:54 0:00

XS
SM
MD
LG