ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ከተማ ውሃን ሎሚ ንመጀመሪያ ግዜ ካብ ከተማ ወፃኢ ምጉዓዝ ጀሚሮም


ነበርቲ ከተማ ውሃን ቻይና ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ንሰለስተ ኣዋርሕ ተዓፅዮም ድሕሪ ምፅንሖም ሎሚ ሓሙስ ንመጀመሪታ ግዜ ካብታ ከተማ ወፃኢ ምጉዓዝ ጀሚሮም

ነበርቲ ክጉዓዙ ምስተፈቐደሎም ኣብ ፈላማይ መዓልቲ ካብን ናብን ከተማ ውሃን ጥራይ 221 ናይ ነፈርቲ በረራ ከምዘካየዳ​ ሰበስልጣን ኣቪየሽን ቻይና ኣፍሊጦም።ኣብ ኩሎም ተዓፂዮም ዝነበሩ ድልድላትታነላትን ጎደናታት ልዕሊ 500,000 ሰባት ምጉዓዞም ተፈሊጡ'

11 ሚሊዮን ዜጋታት እታ ከተማ ንሰለስተ ኣዋርሕ ተወሺቦም ምፅንሖም ይፍለጥ

ነበርቲ ብግዴታ ኣብ ስማርት ቴሌፎናቶም ​ ዝተጻዕና መሳርሒ ​ቀጠልያ ሕብሪ ክሳብ ዘርኣየ​ ካብታ ከተማ ክወፁ ይኽእሉ እዮም

ካብ ውሃን ናብ ካልእ ከባቢ ዝጉዓዙ ነበርቲ ኣብቲ ዝዓርፉሉ ክፍለ ግዝኣት ን14 መዓልታት ክውሸቡ ኣለዎም

XS
SM
MD
LG