ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሕጹይ ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም


ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም
ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ንምዃን ካብ ዝተወዳደሩን ናብ ዛዛሚ ምርጫ ዝቀረቡን 3 ሕጹያት ሓደ ኢትዮጵያዊ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኮይኖም።

ሚኒስትር ጥዕናን ምንስትር ወጻኢን ኢትዮጵያ ዝነበሩ ዶ/ር ቴድሮስ ፣ ናብ’ዚ ደረጃ’ዚ ዝበቅዑ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ እዮም። ንሶም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ ‘ሃገራዊን ኣህጉራዊን ተመክሮ ዝወንንኩ ሕጹይ ስለዝኾንኩ ኣነ’የ ናብ’ቲ ሓላፍነት’ቲ ክበቅዕ ዝግባኣኒ’ በሉ።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ንምዃን ካብ ዝቀረቡ ክልተ ካልኦት ሕጹያት ጸቢብ ብልጫ ኣለዎም። ንሰለስቲኦም ሕጹያት ዝመርሐ ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ንዶ/ር ቴድሮስ ሰላሳ ድምጺ፣ ንፓኪስታናዊት ሳንያ ኒሽታር 28 ድምጺ፣ ንእንግሊዛዊ ዴቪድ ናባሮ 18 ድምጺ ሂቡ’ሎ።

ዝተሓተ ድምጺ ዝረኸቡ ዴቪድ ናባሮ፣ ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝሰርሑን ኣብ ውግእ ጸረ ኢቦላን ኢቭያን ኢንፍሉዌንዛን መሪሕ ተራ ዝነበሮምን’ዮም።

ፓኪስታናዊት ሓኪም ሕማም ልቢ ሳንያ ኒሽታር፣ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን መንግስታዊ ሓላፍነት ዘገልገላ ሰብ’የን። ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም’ውን ክትግብሮ ዝኽእል ብልጫይ ይብላ ንሰን፣ ነቲ ዘይፈልጦ ነገር ዝፈልጥ ምዃነይ’ዩ በላ። ስራሕቲ ንክፍጸሙ መታን ቅኑዕ መልሲ ንምርካብ ክንዲ ዝካኣለኒ ክጽዕር’የ፣ ክፍጽሞ’የ’ውን በላ።

XS
SM
MD
LG