ዋሽንግተን —
ኣብ ቻይና ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰለስተ ኣመሪካውያን ብመስርሕ ምልውዋጥ እሱራት ልውውጥ ትማሊ ረቡዕ ኣማስዮም ናብ ኣመሪካ ተመሊሶም ኣለው።
ስልጣን ኣመሪካ እዚ ውፅኢት ናይ’ቲ ዋሽንግተን ኣመሪካውያን እሱራት ናጻ ንምውፃእ ምስ ቤይጂንግ ንነዊሕ እዋን ዝገብረቶ ዲፕሎማስያዊ ፃዕሪ ‘ዩ ክብሉ ሓቢሮም ኣለው።
ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ብወገኖም “ብጌጋ ኣብ ኣመሪካ ተኣሲሮም ዝፀንሑ ሰለስተ ቻይናውያን ናብ ቻይና ተመሊሶም" ክብሉ ሎሚ ሓሙስ ገሊፆም።
ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ነቶም ካብ ማእሰርቲ ቻይና ናጻ ዝወፁ ካይ ማርክ፡ ስዊዳንን ጆን ሊንግን ናብ ኣመሪካ ይምልሰሱ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብስልኪ ከምዘዘራረቡዎም ሓቢሮም።
ዋይት ሃውስ በዚ ፍፃመ ዝተሰምዖ ሓጎስ ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ መግለፂኡ ኣፍሊጡ’ሎ። ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ባይቶ ፀጥታ እዚ ምዕባለ ነቶም ኣብ ወርሒ ጥሪ መዝነቶም ዘብቕዕ ዘሎ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዓብዪ ዓወት እዩ ድሕሪ ምባል ኩሎም ኣብ ቻይና ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣመሪካውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለዉ ኢሎም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ናብ ቻይና ዝግበር ጉዕዞ ኣመልኪትና ቅድም ክብል ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝነበረ መጠንቀቕታ ናብ ካላይ ደረጃ ኣውሪዱዎ ኣሎ።
ቅጥዒ