ዋሽንግተን —
መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ብደረጃ ዓለም ንዘጋጥም ጥምየት ብሓባር ንምምካት ክስራሕ ጸዊዖም። እቶም መራሕቲ ሃገራት ነዚ ዝበሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣብ ዝቐነየ ዋዕላ ኣብ ጉዳይ ካብ ጥምየት ናጻ ዝኾነት ዓለም ኾይኑ እቲ ዋዕላ ሎሚ ሓሙስ 7 ሕዳር 2024 ተዛዚሙ ኣሎ።
ዳይሬክተር ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለ ሕቡራት ሃገራት ገርድ ሙለር ኣብቲ ዋዕላ ዘስምዕዎ መደረ ዝማዕበላ ሃገራት ትሑት ተገዳስነት ስለዘርእያን፣ ኣብ ሳልሳይ ዓለም ብዝረኣ ክሊማዊን ፖለቲካዊን ቅልውላው ንሓደጋ ጥምየት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ጠንቂ ይኸውን ኣሎ ኢሎም።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ መበገሲ ሓደጋ ጥምየት እናኾነ ይመጽእ ንዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ብሰላማዊ ኣገባብ ንክፈትሑ ጸዊዑ ኣሎ።
መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ጊኒ፣ ሴራልዮን፣ ሕቡራት ዓረብ ኢማረትን ካልኦት ሃገራትን ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ሙዝየም ዓድዋ ዝተካየደ ዋዕላ ምስታፎም ተፈሊጡ’ሎ።
ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ድማ ጥምየት ንምብዳህ ሓባራዊ ጻዕሪ ኣገዳሲ እዩ ክብሉ ኣብቲ ዋዕላ ተዛሪቦም።
ቅጥዒ