ዋሽንግተን —
ኣብ መዝገብ ክብረወሰን(ጊንስ ዎርልድ ረኮርድስ) ብዕድመ ዝዓበዩ ውልቀሰብ ብምዃን ስሞም ተመዝጊቦም ዝጸንሑ እንግሊዛዊ ጆን ቲኒስዉድ ኣብ መበል 112 ዓመት ዕድሚኦም ትማሊ ሰኑይ ምዕራፎም ስድራቤቶም ሓቢሮም።
ብ26 ነሓሰ 1912 ኣብ ሊቨርፒል ዝተወልዱ ቲኒስዉድ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ወዲ 114 ቬነዙዋሊ ድሕሪ ምሟቶም፡ እቶም ዝዓበዩ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ሰብኣይ ኰይኖም ኣብዚ ፍሉይ መዝገብ ሰፊሮም ጸኒሖም።
ታሪኻዊት መርከብ ታይታኒክ ኣብ ዝጠሓለትሉ ዓመት ዝተወልዱ እዞም እንግሊዛዊ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ፡ ንቐዳማይን ካልኣይን ኲናት ዓለም ዝረኣዩ ኰይኖም፡ ምኽንያት ናይቲ ነዊሕ መጽንሒኦም “ዕድል” ክብሉ ቅድሚ ሎሚ ገሊጾም ነይሮም።
ቲኒስዉድ ዝዓበዩ ሰብኣይ ክዀኑ እንከለዉ፡ ጃፓናዊት ቶሚኮ ኢቱካ ግን ብህይወት ዘለዋ ናይ ዕድመ በዓልቲ ጸጋ ሰበይቲ’የን። 116 ዓመት ገይረን ኣለዋ።
ቅጥዒ